News

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጅለስ፣(Los Angles)

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፣ ሰላምን ደሞክራስን ደቂ-ሃገር፤

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ – ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ’ቲ ከባቢ ብዝቐረበሉ ጠለብ መሰረት፣ ንቀዳም 9 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ (Los Angles) ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ክገብር መዲቡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ህዝባዊ ኣኼባ ካብ ሎስ ኣንጅለስ፣ ሳን ዲያጉ፣ ሳን በርናርዲኖ፣ በይ ኤርያን ኣካባቢኡን፣ (Los Angles, San Diego, San Bernardino, Bay Area and the environs) ዝመጹ ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ብደረጃ ካሊፎርንያ ዝግበር ምትእኽኻብ ከምዝኾነ ንሕብር።

ኩሉ ደላይ ለውጢ ህዝብና ኣብ’ዚ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ክዓስልን ብዕትበት ክዋስኣሉን ድማ ብኽብሪ ንዕድም።

Where:        6161 W Century Boulevard

Los Angeles, California 90045 USA

When:         October 9, 2010

Time:          12:00-4:00pm local time

ብድሓን ምጹ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ENCDC2011@gmail.com

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top