ኣኼባታት ሃገራዊ ኮምሽን አብ ከተማታት ጀርመን

ዝሓለፈ ሰንበት 26 መስከረም አብ ከተማ ከሎን ዕቱብ ኣኼባ ንተቐማጦ ምምሕዳር ቨስቲፋልያ ተኻይዱ፡፡ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐት ሽማግለ እታ ዝነበረት ናይቲ ቦታ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ነይራ፡፡ ድሕሪ ምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ ከአ ድሮ ንካልአይ ግዜ ህዝባዊ ኣኼባ አካይዳ‘ላ፡፡ ብዋና ጸሓፊ ኣቶ ኣስፍሃ ተስፋሚካኤል ኣደራሽ ምስ ተኸፍተ ከአ ኣቦ-መንበር‘ታ ሽማግለ ኣቶ ዜናገብርኤል ስባህቱ ናይ እንቋዕ ዳግማይ ብሓደ ኣኻኸበና ዘረባ ቀሪቡ፡፡ አብቲ ዝቐደመ ኣኼባ ዝተሰግረ ዘሰክፍ ነጥቢ ከይህሉ ከአ ንነባሮ ዳግማይ ዕድል ተኸሲቱ ነይሩ፡፡ ገዛ ግና ልኡኻትቱ ንሃገራዊ ዋዕላ እኹል-ታርፍ መግለጺ ስለ ዝሃቡዎ ዕግበቱ አቐሚጡ ሰጊርዎ፡፡ ቀጺሉ አብ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ዝነበሩ ሓደ ኴይኑ ግና አብቲ ዝሓለፈ ኣኼባ ዘይተረኽበ ዕዱም ምስክርነቱ ክህብ ዕድል ተኸስተ፡፡ ዶክቶር መሓመድ ብርሃን (ኤርትራዊ ሓኪም አብ ከተማ ዱዘልዶርፍ/ጀርመን) ከአ ከምዚ ክብል መሳጥን መሃርን መደረ አቕሪቡ፡፡

ኤርትራ አብ መዛግብ ሕቡራት መንግስቲ ሓንቲ ካብ ዝፈሸላ ሃገራት (failed states) ክትቊጸር ተሐጽያ ዘላ ሃገር‘ያ፡፡ እዛ ብሰፍ ዘይብል ዋጋ ሰብን ንብረትን ልኡላዊት ዝዀነት ዕሸል ሃገርና ብፍሽለት ክትድምደም ከአ ክትሓስቦ‘ኳ ዝጽወር አይኮነን፡፡ ነዚ ዝደሊ ምስ ምሉእ ውኔኡ ዘሎ ኤርትራዊ አሎ ክትብል ከአ አጸጋሚ‘ዩ፡፡ ይኹን እምበር ንቕድሚት ሎጊሞም ንድሕሪት ናብ ህዝቦምን መቃልስቶምን ዝትኵሱ ኤርትራዊ ሸነኻት ከቶ አይወሐዱን፡፡ ብሽም መንግስቲ ሃገር፡ ብሽም ሰውራ ከአ ህዝቢ ዝድነሱ ውድባት አይሕዶሱናን‘ዮም፡፡ ኣነ ግና ትማል አብ ኣዲስ ኣበባ አብ ኣደራሽ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ደቂ ሃገር ብሓድነቶም ጸኒዖም፣ ብእምነታቶም ኮሪዖም፣ በብብሔራቶም ቀኒዖም ክዛተዩ፤ ተዛትዮም ከአ ክሰማምዑ እየ ተዓዚበ፡፡ ነቲ ዓወታት ጎስዩዎ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ፖለቲካ፣ ነቲ እናሻዕ አይተሳኔናን ብምባል ዝዋጠጥ ውድባት ወዘተ… ማይን ጸባን ኰይኑ ክሞጓጎስ ስለ ዝተዓዘብኩ ከአ ሸውሃተይን ንያተይን ዝመለሰለይ መጋብኣያ ነይሩ፤ ክብል ዶክቶር ምስክርነቱ ሂቡና፡፡ ዘረብኡ ብምድምዳም ከአ ዶክቶር መ.ብርሃን፣ ንተልእኦ ሃገራዊ ዋዕላና አብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ብቆጸራ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክጋባእ ተወሲኑ ንዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ኩላትና ደለይቲ ሱር-ነቀል ለውጥን ዲሞክራስን ዝዀና ኤርትራዊ ሸነኻት ጻዕርና ከነኻዕብት ጸዊዑ፡፡

ካብዚ መድረኽ ናብ ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ተመሓላሊፉ፡፡ ኣባል ክፍሊ ህዝባዊ ስርርዕ ኣቶ ተክልሰንበት ተኽላይ ከአ ቀጺሉ ይብል፤  ብጕዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ህዝቢ ብልኡኻትኩም ዝኣክልን ዝመስልን መግለጺ ከም ዝተዋህበ ዕጉብ ብምዃነይ ናብኡ ክመልሰኩም አይመርጽን፡፡ የግዳስ ውጽኢት ካብ ውጽኢታት ሃገራዊ ዋዕላ ዝዀነ ሃገራዊ ኮምሽን፣ ኣቃውማኡ፣ ዕላማታቱ፣ መደባቱ ከም ድሕረ ባይታ ክሕብር ብምባል መደረኡ ጀመሮ፡፡ ሃገራዊ ኮምሽን ካብ ውሽጢ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተወከለ ልኡኽ ህዝቢ ምዃኑ፣ ካብ ተራ ህዝቢ፣ ካብ በርጌሳዊ መርበባት፣ ካብ ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፣ ከምኡ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ወጻኢ ካብ ኤ.ዲ.ኪዳን ዝቖመ ናጻን ልኡላውን ኣካል ምዃኑ ከአ አብሪሁ፡፡ ይኹን ድአ እምበር ሃገራዊ ኮምሽን ጕዳይ ህዝብን ሃገርን ንምዕዋት ስለ ዝሰርሕ ምስ ንሃገራዊ  ዋዕላን ውጽኢቱን ዝቕበሉ ትካላትን ውድባትን ክሰርሕ ግቡኡ ጌሩ ከም ዝተቐበሎ ሐቢሩ፡፡

መዕጸዊ ገለጻን ጽሑፍን ኣቶ ተክልሰንበት ከአ መምርሒ ንህዝባዊ ውደባታትን ጎስጓሳትን ነይሩ፡፡ ነዚ ንምዕዋት ኣኼበኛ ካብ ውሽጡ ንኡስ ሽማግለ ዋዕላ ከቚውም ከአ ጸዊዑ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከአ ኣኼበኛ ሓንቲ 7 ዝኣባላታ ሓዳስ ሽማግለ ካብ ውሽጡ መሪጹ፡፡ መዝነቶም ከአ ከምዚ ዝስዕብ‘ዩ፦

ንኡስ ሽማግለ ብወገኑ አብ ዝመጽእ ነብሱ ሰሪዑ ብዕቱብ ናብ ህዝቢ ምውዳብን ምጕስጓስን ክወርፍር ቃል ኣትዩ‘ሎ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ሃገራዊ ኮምሽን ዑደቱ አብ ከተማታት ጀርመን ቀጻሊ ምዃኑ ካብ መግለጸኡ በሪሁ፡፡ ድሮ‘ኳ እዞም ዝስዕቡ ቈጸራታት ተታሒዞም አለዉ፡፡

ፍረወይኒ ገ/ጻዲቕ

ባሕቲ ጥቅምቲ 2010

ብክፍሊ ዜና ሃገራዊ ኮምሽን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1601

Posted by on Oct 4 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net