መኣረምታ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ካርልስሩሀ!

ንቀዳም ዕለት 30. 10. 2010፡ ሰዓት 1500 እቶም ካብ ህዝብን በርገሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ተወኪሎም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተሳተፉ ደቂ ሃገር፡ ሓቀኛ ስእሊ ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንተቐማጦ ካርልስሩሀን ካልኦት ናይ ባደን ከተማታትን ንምሕባር ተዳሊዮም ኣለዉ። ብተወሳኺ እውን ንድሕሪ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል ተመዲቡ ዘሎ “ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ“ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንምድላው  ብሃገራዊ ዋዕላ ተመዚዛ ዘላ “ኤርትራዊት ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ወኪሎም ኣቶ ተኽለሰንበት ተኽላይ መግለጺ ክህቡን፡ ሕቶታት ህዝቢ ክምልሱን፡ ተዓዲሞም ኣለዉ። ስለ‘ዚ ኩሉ እቲ፡ ወልቀ-መላኪ ህግደፍ ተኣሊዩ፡ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ ዝቃለሱ ደቂ ሃገር፡ ኣብ‘ዚ ኣኼባ እዚ ክርከቡ፡ ኣዳለውቲ መደብ ብኣኽብሮት ይዕድሙ።

ተዳሊዩ ዘሎ መደብ ኣኼባ

1. ንካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ ዝተገበረ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝምልከት Dokumentar Film ክርአ እዩ።

2. ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ሓበሬታ ምስ ተዋህበ ንዝቀርብ ሕቶታት፡ ብተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ መልሲ ክወሃብ እዩ።

3. ንምድላው „ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ“ ብዛዕባ ተመዚዛ ዘላ ሓዳሽ ኮምሽን፡ ብዛዕባ መደባታ መግለጺ ክዋሃብን፡ ንዝቀረብ ሕቶታት’ውን መልሲ ክዋሃቦን እዩ።

Direction to Akheba Place

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታን ዕለትን ሰዓትን፥

ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ (Karlsruhe)

Gewerbehof

Steinstr.23

76131 Karlsruhe

ዕለት 30 ጥቅምቲ 2010፥

ሰዓት 1500 ድ.ቀ.

ካብ መዕረፍ ባቡር ካርልስሩሀ (Karlsruhe Hbf) ብትራም ቍጽሪ 3 ካሳብ መዓርፎ ትራም መንደልሶን ፕላትስ “ Mendelson Platz “ ይመጻእ። ኣብ “Mendelson Platz“ ወረድኩም/ክን፡ ብድሕሪቲ ኣብ ፊትኩም/ክን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሽታይን ስትራሰ ቁጽሪ 23 (Steinstr. 23) ዝበሃል መንገዲ ኢዩ።

ብዳሓን ምጽኡ ..!!

ካብ ኣዳላዊ ኣኼባ፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1633

Posted by on Oct 11 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net