መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብዋዕላ ንዝተነብረሉ እምነት እናንኣደ፡ ንውሳኔታቱን ለበዋታቱን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘይሕለል ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ የረጋግጽ።

ካብቲ ቀንዲ ዕማማት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ከኣ ትጽቢት ህዝብና ንምርግጋጽ፡ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን፡ ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዘይዝኾነ ፍልልይን ኣድልዎን ናብ ሓደ መኣዲ ዘተ ብምምጻእ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስልጡን ልዝባት ንምክያድን ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕን ኢዩ።

ነዚ ሃገራዊ ዕላማታት’ዚ ንምዕዋት ድማ ኮምሽን ምዕሩይ ተሳትፎ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክፍልታት ሕ/ሰብናን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ምርግጋጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘይስገር ምዃኑ ይኣምን። ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ኮምሽን ምስ ኩሎም ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ድሌት ዘለዎ ኣካላት ብንጹህ ሕልና ሓቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ ባህግታቱ ይገልጽ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝተሰከሞ ሓደራ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ሕድሕድ ምትዕግጋብ፡ ምትእምማንን ግልጽነትን ኣገዳሲ መሳርሒ ዕዮታቱ ምዃኑ ይግንዘብ። ስለዚ ኩልኩም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክፍልታት ሕ/ሰብና፡ ሃገራውያን ባእታታት፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን……ወዘተ ኣብ ከባቢኩም ምስ ዝርከቡ ኣባላት ኮምሽንን ከምኡ’ውን ምስቶም ንኮምሽን ንምትሕግጋዝ ዝቆሙ ዘለዉ ህዝባዊ ሽማግለታትን ሓቢርኩም ክትሰርሑ ኮሚሽን ብክብሪ ይጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቀጥታውን ቁኑዕን ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ሕቶታትን ሃነጽቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝምልከት ንምቕራብ፡ በዚ ወግዓዊ ኢ-መይል ናይ ኮሚሽን encdc2011@gmail.com ክትሓቱን ሓሳባትኩም ከተቕርቡን ይጽውዕ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

06 ጥቅምቲ 2010

encdc2011@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1636

Posted by on Oct 11 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net