ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን መጻኢ ጉባኤን ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ

እቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ። እዚ ጻውዒት ሃገራዊ ኮምሽን ሰሚዖም ብዝተበሰሩ ምዑታት ኤርትራውያን ዝጸውዕዎ ኣኼባ’ዚ ብሃገራዊ ስምዒት ዝዓሰሎን ሕድሕዳዊ ናፍቖትን ምክብባርን ዝመልኦ ሃውህው ኢዩ ተኻይዱ።

ከተማ ሎሳንጀለስን ከባቢኣን ብካብ ሰልስተ ወይ ኣርባዕተ ዘይበዝሑ ጥቕመ-ፈሊጥ አርትራውያን እናተሃደደትን፡ ብቤተሰብ መላኺ ስርዓት ጸጥታዊ መርበብን ካልእ ማሕበራዊ ሽርሕታትን ፍልልያት ኣሳዊሮም ህዝቢ ብጉዳይ ሃገሩ ከምዘይዝትን ከምዘይዋሳእን ጌሮም በታቲኖሞ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ትማል ዕርዲ ህግደፍ ፈሪሱ፡ ጩራ ነጻነት በሪሁ፡ ህዝቢ ብጉዳይ ሃገሩ እሂን ምሂን ክበሃህል ውዒሉ ኣሎ። እዚ ድማ ድምር ናይቲ ብውሽጥን ብግዳምን ንዓመታት ብህዝብን ተጋደልትን ኤርትራውያን ክካየድ ዝጸንሐ ቃልስን መርኣያ ናይቲ ናይ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ስልጣን ንህዝቢ ንምስግጋር ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላን ምዃኑን ብሩህ መሓበሪ ኢዩ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ብናይ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይን ኮምሽነር ወይዘሮ ሰሚራ ሳልሕን ዝተመርሐ’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ህዝቢ ወኪሎም ዋዕላ ዝተሳተፉ ኣሕዋት’ውን ኣብኡ ብምርካብ እዚ ዋዕላ’ዚ ኣብ ጸላኢና መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘተኮረን፡ ንጉዳይ ሓድነትናን ማዕርነታዊ መሰል ብሄራታትናን ሃይማኖታትናን ማእከሉ ዝገበረ፡ ብጉባኤ ኣቢሉ ድማ ባይቶ ብምቛም ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ዝዓለመ ዋዕላ ምንባሩ ንኣኼበኛታት ኣብሪሆም። ንዝተላዕሉ ሕቶታት ብግቡእ ድሕሪ ምምላስ ከኣ መንእስያት ንምልዕዓል ብወለንትኡ ብርሱን ድልየት ካብ ሳንድየጎ ዝመጸ መንእሰይ ተስፋልደት በላይ ብዛዕባ ንሃገራዊት ኮምሽን ህዝቢ ክገብረላ ዘለዎ ደገፍን፡ ምክብኻባትን ኣልዒሉ መእሰትያት ከም ተካእቲ ወለዶ ክጻወትዎ ዘለዎም ተራን ኣስሚሩ ተዛሪቡ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ኣባላት ኮምሽን እዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ክገትኦ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ከምዘየሎን፡ ንህዝብና ድማ ስልጣኑ ንምርካብ መስርሕ ተተሊሙ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ጉባኤ ክረጋገጽ ምዃኑን ዘለዎም ምሉእ እምነት ገሊጾም። እዚ መስርሕ’ዚ ንህዝብና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምህናጽ ብመጀመርያ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓልዩ፡ ስድ ራቤት ኤርትራ ደቃ ክትውንንን፡ ዓዳ ከተማሓድርን፡ ወከልታ መሪጻ ባይቶኣ ክትመርሕን፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ተኺላ ድማ ሃገራ ከተመሓድርን፡ ከም ዘኽእል ገሊጾም። ኣብ’ዚ ድማ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ምሁራትን ተርኦም ከዕዝዙን ህዝቢ ድማ ነዚ መስርሕዚ ዝኾነ ሓይሊ ካብ ኢዱ ከይምንዝዖ ክጥንቀቕ ከም ዘለዎን  ብምትሕስሳብ ገለጽኦም ደምዲሞም። ብድሕሪኡ ኣኼበኛታት 18 ኣባላት ዘለዉዋ “ህዝቢ ንጉባኤ” ሽማግለ መሪጾም፡ ነዚ ቁጽሪ ሽማግለታት’ዚ ድማ ኣብ ኣኼባ ዘይተረኽቡ ኤርትራውያን እውን ክውስኸሉ ተሰማሚዖም ኣኼባ ብዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ዘለዎ መንፈስ ደምዲሙ።

ሽማግለ “ህዝቢ ንጉባኤ”

ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1638

Posted by on Oct 11 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net