ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ጀሚሩ፡

ኣባላት ሰክረታርያ ባይቶ

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብከፊል

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብከፊል

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዕለት 10 ጥምቲ 2010 ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ

ኣባላት ሰክረታርያ ባይቶ

ጀሚሩ። ኣብ ፈላሚ ውዕሎ ኣኼባኡ፡ ናይ ኣባላቱ ሰፊሕ ዲሞክራድያዊ ሱታፌ ንምርግጋጽ፡ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ሰለስተ ዓውደ ምይይጣት ዘከፋፍል ኣሳላጢ ሓዲሽ ኣሰራርሓ ኣተኣታትዩ። ዓውደ ምይይጣት፡ ኣብ ጸብጻባት ሰክረታርያ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ብዛዕባ ኣንፈታት መጻኢ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ዝተዳለዉ ወረቃቕትን፡ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ብዕምቆት ክመያየጣን ክግምግማን ምዃነን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣብ ዓውደ ምይይጣት ተኸፋፊሎም፡ ኣኼባኦም ይቕጽሉ ኣሎዉ።

እዚ ኣኼባዚ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ኩሉ ውድባውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዓበይቲ መኽሰባት ዘመዝገበሎምን፡ ከምኡ’ውን ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሲቭል ማሕበራትን

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብከፊል

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብከፊል

ካልኦት ተቓለስቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሃገራዊ ዋዕላ ብምዕዋት፡ ኣብ ጎደና ሃገራዊ ጉባኤ ከኣ ንምዕዋት ዝምርሻሉን፡ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ዝምህምነሉን ዘሎ ኩነታት ይግበር ብምህላዉ፡ ንኣኼባ ማእክላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣወንታዊ ናይ ቃልሲ ሃዋሁ ከቢብዎ ይርከብ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሃድኤ

10 ጥቅምቲ 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1642

Posted by on Oct 12 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net