ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ራቸስተር (ኒው-ዮርክ)

ቀዳም 6 ሕዳር 2010 ኣባል ኮምሽን ሃገራዊ ዋዕላ ሓው ተኽላይ ኣብራሃ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ራቸስተር (ኒው-ዮርክ) ብጉዳይ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ክካየድ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ኣመልኪቱ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ዋዕላ ኣካይዱ። ሓው ተኽላይ፡ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዋዕላን ዘጓነፍዎ መሰናኽላትን ብሓደ ሸነኽ፣ እቲ ዋዕላ ዝዘተየሎም ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያትን ዘመዝገቦ ሓባራዊ ስምምዓትን ድማ ብኻልእ ሸነኽ ብሰፊሑ ተንቲኑ። “ኤርትራ ኣደ ብዙሓት ብሔራት፣ ቋንቋን ሃይማኖታትን እኳ ትኹን እምበር፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ ተኸባቢሩ ብሰላም ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ከም ዘሎዋ ተስፋ ዝሃበኒ ዋዕላ እዩ ነይሩ” ዝበለ ሓው ተኽላይ፡ ነዚ ኣብ መዋእልና ንመጀመርያ ግዜ ተረኺቡ ዘሎ መድረኽ ተዓጢቕና ክንሕዞን ናብ ዓወት ከነብጽሖን ተላብዩ። እዚ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ዓወቱ ንምርግጋጽ ዝገትኦ ሓይሊ ከም ዘየሎ ዝተረድኡ ህግደፍን መጋበርያኡን፡ ንዝገብርዎ ናይ ምፍሻል ፈተነታት ሓላፍነት ዝስከም ድማ ህዝቢ ምዃኑ ኣተሓሲቡ።

ተሳተፍቲ ዋዕላ ንዝተዋህበ መግለጺ ብጽሞና ብድሕሪ ምክትታልን፡ ብሕቶን መልስን መልክዕ ድማ ንኹነታት ዋዕላ ኣዕሚቖም ብድሕሪ ምዝታይን ዕግበቶም ኣረጋጊጾም።  ንሕና፡ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ዋዕላ ንደሞርራስያዊ ለውጢ ብቕረባ ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና፡ ብውጽኢቱ ድማ ዕጉባት ስለ ዝኾንና ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ጉባኤ ዕውት ንኽዕወት ካባና ዝድለ ዘበለ ሓገዛት ንምግባር ድሉዋት ኢና ብምባል እተማእክሎም ሽማግለ መሪጾም ኣኼባኦም ደምዲሞም።

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1768

Posted by on Nov 9 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net