ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንበርዲንዱኖን ከባቢኣን

ኣብ ከተማ ሳንበርዲንዱኖን ከባቢኣን ሰንበት 7 ሕዲር 2010 ዝተጋበአ ህዝባዊ ኣኼባ ንሃገራዊ ጉባኤ ብውዕዉዕ ክትዓትን ልዙብ ምርድዲእን ተሰላሲሉ። ብኣባል ኮምሽን ዝኾነ ሓው ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ መብርህን ድሕረ ባይታ ናይ ኮምሽን ድሕሪ ምቕራቡ፡ መዯብ ዕዮን ዕላማን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዱሞክራሲያዊ ለውጢ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ። እዚ ዕቱብ ተሳታፍነት ማሕበረሰብን፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ ኣቓልቦን ተቐባልነትን እናረኸበ ዝመጽእ ዘሎ እዋናዊ ህዝባዊ ማዕበል ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ምሉእ ዓወት ጨቢጡ ንኽወጽእ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ እምነቱን ፍልልያቱን ኣወንዚፉ ተሳታፍነቱ ከዏዝዝ ጸዊዐ።

እቲ ክንዛሕ ዝጸንሐ ጉዲይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወረ ምንባሩን ኣነጺሩ፡ ብኣንጻሩ እኳዯኣ ኤርትራውያን ሓድነቶም ዝያዲ ዘዯልዯለሉን መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዘውሓሰ ታሪኻዊ እምነ መሰረት ዘንበረ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሃገራዊ ጉዲይ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝጥለብ ዘበለ ከማልኡ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ምክብባርን ሕድሕዲዊ ምርድዲእን፡ መባእታዊ ስልጣነ ናይ ሓዯ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ፡ ነብሲወከፍ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ነብሱ ሰሪዐን ነንሕድሕደ ተኸባቢሩን፡ ነዚ ታሪኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ መዓልቲ ከቃላጥፍ ለበዉኡ ብምሕላፍ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ብምግባር፡ ዝውክልዎም ሽማግለ መሪጾም ኣኼብኦም ዛዚሞም።

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ሳንበርናርዱ (ኢንላንድ ኢምፓየር)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1765

Posted by on Nov 9 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net