News

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደቂ-ኣንስቲዮ ኤርትራ ተቀማጦ መልበርንን ከባቢኣን፣

ዝኸበርክን ደለይቲ ለዉጢ፤ ፍትሕን ደሞክራስን ደቂ-ኣንስቲዮ ኤርትራ ተቀማጦ መልበርንን ከባቢኣን፣

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ ዞባ ኣዉስትራልያ ብዛዕባ መደብ ስራሓቱን ንጥፈታቱን ኣብ ከተማ መልበርን’ን ከባቢኣን ምሳኽን ተራኺቡ ክመያየጥን ክረዳዳእን፣ ሰፊሕ  ኣኼባ መዲቡ ስለ ዘሎ፣ ኩልኽን ደለይቲ ለዉጢ  ኣብዚ ዝበጋገስ ዘሎ መስርሕ ፍትሕን ደሞክራስን ብዕትበት ክትዋስኣሉ ብኽብሪ ንዕድም።

ኣብ መደምደምታ እቲ ኣኼባ ዉን፡  ካብተን ዕድመ ኣኽቢረን ዝመጻ ኣዴታትን ኣሓትን፡ ማዕርነታዊ ተሳትፎእን ንምርግጋጽ፡ ካብኣተን ክልተ ተመሪጸን ምስ እታ ድሮ ብዕለት 2 ሕዳር ዝቆመት ተሓባባሪት-ሽማግሌ ተጸንቢረን ክሰርሓ ምኻነን ንሕብር።

መዓዝ:         ሰንበት, 28 ሕዳር 2010

ኣበይ:                   33 Alfred Street, North Melbourne   Vic 3052

ግዜ :                    ስዓት  4 ድ/ ቀ

ብድሓን  ም ጻ::

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ዞባ  አውስትራልያ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

encdc2011@gmail.com

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top