መግለጺ

ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር መደባት ስርዓት ህግደፍ

ኣውስትራልያ ጥሪ 07/2010

 1

ህላወን ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ እናንቆልቆለን እናኸፈአን ይኸይድ ከምዘሎ ንኩሎ ኤርትራዊ ብሩህ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ብዕሉግ ፖሊሲ ህግደፍ ከቢድ ጥምየት፡ ራዕዲ፡ ሕጊ ኣልቦ፡ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማእሰርቲ፡ ዝኣመሰሉ ሽግራት ደረት ተሳኢንዎም ኣሎ። ህልቂት መንእሰያት ኣብ ምደረበዳታት ሳሕራን ማእከላይ ባሕርን፡ ቃፍላያት ሰደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተራኣየሉ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ ክባሃል ይኽእል። ነዚ ድማ እዩ መራሒ ህግደፍ ብባጫን ኣሽካዕላልን “ፓሳጆ እዮም ከይዶም ዘለዎ ክምለሱ እዮም” ኢሉ ብጥፍእትን ህልቂትን መንእሰያት ከላግጽ ዝወረሐ። እዚ ዘሕዝን ህልቂት’ዚ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዝትንክፍ ክንሱ፡ ገለ ብደዎም ዝለመሱ ሰዓብቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ መንጠሊና ሕፍረት ተጎልቢቦም ክንሶም ጥፋኣትን ህልቂትን አሕዋቶምን ህዝቦምን ምግላጽ ዘሕፍሮም ጉዳመኛታት ምህላዎም ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

 

ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ምስ ኩነታት ሃገርና ብዝተእሳሰር ኣገዳሲ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባ ድማ እቲ ብሕቡራት ሃገራት እብ ልዕሊ’ቲ ሕገ ኣልቦ መሪሕነት ህግደፍ ንጎረባብትን ከባብን ዝህውኽ ናይ ሽበራ ፖሊሲኡ ዝዓግት፡ ምንቅስቃስ ሰበስልጣናቱ ዝድርት፡ ምንቅስቓስ ንብረትን ገንዘብን ህግደፍ ምስ ዓቀይተቶም ዘደስክል፡ ሸመተን መሸጣ ኣጽዋርን ዝኽልክል ውሳነ ሕቡራት ሃገራት፡ ብወገን ህግደፍ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕነዐ እገዳ እዩ ብምባል ከእምን ከንቱ ፈተነታት የካይድ ብምህላዉ እዩ። ህግደፍ ካብ ህዝቢ ንዝጋጥሞ ተነጽሎ መኸተምታ ስልጣኑ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ድማ’ዩ ምስ ህለወ ህዝብን ሃገርን ብምትሕሓዝ ኩሉ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሕታቱ ናብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ብምቕናዕ ዎዮ ኣምሰሉ ከማሳስል ዝጽዕር ዘሎ። ሕሉፍ ሃሊፉ ምስቲ ኣብ ሓምሳታት ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝቖረነ ዉሳነ ሕቡራት ሃገራት ከመሳስሎን ንህዝቢ ኤርትራ ርኣዩለይ ስምዑለይ ይብል ኣሎ። ናይ’ዚ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ፍልልይ ዘለዎ ክልተ ብመንቀሊኡ ይኹን ዕላምኡ ዘይራኸብ ውሳኔታት ክትገልጽ ምፍታን፡ ኣብቲ ናይ ህግደፍ ህውታት ኣቲኻ ንሰማዕን ኣንባብን ግዜ ምጥፋእ ስለዝኾነ ተመራጺ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ልዕሊ ኹሉ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ ናይ 50ታት ታሪኹን ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዙ ብመራሒ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ጎረባብትናን ከባቢናን ክግበር ዝጸነሐ ዕንደራን ዕብዳንን ኣዳዕዲዑ ስለዝፈልጥ ኣስተምህሮን መደረን ዘድልዮ’ውን ኣይኮነን።

 

ኣብ መደምደምታ ኣብዚ ንመበል 8ይ ዓመት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ማዕረ ማዕረ ጓይሎኦምን ዳንኬረኦምን ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ’ቲ አዕናውን ፋሉላው’ን ፖሊስታት ህግደፍ ካብ ዓለም ተነጺሉ ድራር ዕለት ሰኢኑ ይስቐ ብምህላዉ ሓዘናን ሻቕሎትናን ልዕሊዝኾነ እዋን ሰማይ ዓሪጉ ምህላዉ ክንገልጽ ንፈቱ። ብኣንጻሩ ድማ ኣሰቃቒ ኣመራርሓ ህግደፍ መዕጸዊ ንክግበረሉ ኩሉ ዘይመስረታዊ ፍልልያት ተኣልዩ ዝተወሃሃደ ናይ ሓባር ስራሕ ንክካየድ ምስቶም ሰብ ንያት እጃምና ክነበርክት ኣብ ምዕራፉ ክነብጽሖን ሰብሞራልን ትስፍዋትን ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ከይገለጽና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

 

ኣዳላዊት ኮሚቴ ሰለማዊ ሰልፊ ኣውስትራልያ

ኤርትራዊ ዲሞክራያዊ ኪዳን ጨ/ ኣውስትራልያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=197

Posted by on Jan 10 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net