ናብ ጀግና ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ኣውስራሊያን ኒውዝላንድን

tahaluf-s

 

 

 

ኣብ ትሕቲ ዘቃጽል ሃሩር ንኻልኣይ መዓልቱኹም ደው ኢልኩም ናይ ሕፍረትን ውርደትን ፌስቲቫል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅዋም ብጽንዓትን ተወፋይነትን እተካይድዎ ዘለኹም እንዳመጎስና ንሕናውን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ሞንጎኹም ምሳኹም ክንርከብ ደስ ምበለና ኔሩ ኮይኑ ግና ናይ ስራሕን ቃልስን ጉዳይ ስለ ዝኾነ ናትኩም ተሳትፎ ናይ ኩልና ተሳትፎ ስለዝኾነ በዚ ኣጋጣሚʼዚ ንኹሉኹም ተሳተፍቲ እዚ ሰላማዊ ስልፊ እዚ መላእ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ዕዙዝ ገድላዊ ሰላምታና ነቅርበልኩም፡፡ እዚ ሎሚ ንመበል 8ይ ግዜ እተካይድዎ ዘለኹም ሰላማዊ ሰልፊʼዚ ኣብ ታሪኽ ተቃውሞ ቃልሲ ህዝብና ዓቢ ሃገራዊ ዕማም ብምኾኑ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሕዝ እዩ፡፡

 

     እዚ በብግዚኡ ከይተሓለልኩም እተካይድዎ ናይ ሰላማዊ ተቃውሞʼዚ ኣብ ሃገርና ብሰንኪ ድክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ሰፊኑ ዘሎ ጸልማት ክቅንጠጥ ናቱ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ እዩ፡፡ ንናይ ህዝብና ተቃውሞ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ እናለዓለ ኣብ ዝኸደሉ ህሞት ኣብ ዓለማውን ዞባውን መንግስታትን ህዝብታትን እናሓደረ እናተነጸለን ዝኸይድ ዘሎ ብቀንዱ ውጽኢት ጽንዓትን ቃልስን መላእ ህዝብናን ተቃለስቲ ደቁን ኮይኑ አህጉራውን ዞባውን ሕብረተሰብ በቲ ኣብ ልዕሊኡʼውን ዘውርዶ ግፍዕታት ኑሱውን ነዚ ሓደጋʼዚ ኣብ ምውጋድ ክገብሮ ዝጸንሔ ጻዕርታትን እኩብ ድምር ኮይኑ ሎሚ እታ መሸንቅቆ እናጸበበት ትኸይድ ከምዘላ ዘመላኽት ኣንፈታት ይራኣዩ ኣብ ዝካየደሉ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ልዑል ክብደት ይህቦ፡፡ እዚ ብሓደ ሸነኽ ክኸውን እንኮሎ ብኻልእ ሸነኽ ካኣ እንሆ ነቲ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ንምክልኻልን ከይሐነኹ ናይ ውርደትን ሕፍረትን ካባ እንደተኸናነቡ ነቲ ዲክታተራዊ ስርዓት መቀነይ ትንፋስ ክሰርዑ ሕጅውን ኣብ ኣውስትራሊያ ፌስቲቫል ከስተናግዱ ላዕልን ታሕትን ኣብ ቅድሜኹም የዕለብጡ ኣለው፡፡

 

     እዚ ዓቅሊ ጽበታዊ ፋሕጠርጠር ናይ ሕፍረትን ውርደትን ፌስቲቫላት ስርዓት ህግደፍʼዚ ኣብ ልዕሊ ስቃይን ውርደትን ህዝብና ኣሽካዕላል ኮይኑ ኣንጻር ጨፍጫፊ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ናይ ተካይድዎ ዘለኹም ቃልስታት ፈረ ውጽኢት ኣብ ዝሕፈሰሉ ኣብ ናይ ጎሓፍ ታሪኽ ዝድርበይ እዩ፡፡

 

     ክቡራት ኣባላት ተሳተፍቲ ናይዚ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊʼዚ

 

     እዚ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝግበረሉ ህሞት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክጋባእ ኣብ ዝሸባሸበሉ ግዜ ብሙኻኑ ኩሉኹም ኣካላት ደንበ ተቃውሞ ውድባትን ሲቪካውን ማሓበረ ሰባትን እድ ንኢድ ተተሓሒዝኩም ብሓባር ነዚ ዓቢ ሃገራዊ ዕማምዚ ኣብ ምዕዋት ተረባረቡ ምህላውኩም ሓደ ኣብነታዊ ሓድነታዊ ስጉምቲ ብምኾኑ ንደንበ ተቀውሞና ኣገዳሲ መርኣያ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኻኣ ኣብ ምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣገዳሲ ተራኹም ከምትጻወቱ ንተኣማመን:: 

 

ኣብ መደምደምታ እዚ ናይ ጽንዓትን መኸተን ሰላማዊ ሰልፊʼዚ ብዓወት ክዛዘም ዘሎና ምንዮት እንዳገለጽና ንኣዳላዊት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊን ንኹሎም ኣባላትን ደጊምና ልዑል ናይ ኣኽብሮት ምስጋናና ነቅርበልኩም፡፡

 

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

9 ጥሪ 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=203

Posted by on Jan 11 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net