ህግደፍ ኣብ ርእሲ ህዝብና ላምባ ኲዖም ክርቢት ሸጠጥ

ካብ ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ

እንታይዩ በደሉ ዝህዝብና

 

     የዕጫው ገረብ ተቖጺሩ ሂወት ናይ ህዝብና

     ክርቢት ሸጠጥ ኣቢሎም ላምባ ክኽዕውልና

     ንኸይ ንሳማማዕ ብኣውራጃታት ዝፈላሉዩና

    ኣስላማይ ክርስትያናይ ብምባል ከራሓሑቑና

     ብደም  ድመጽኤት ኤርትራ ክገብርዋ ዑና

    ንበይኖም ክብሕቱ ኣጥፊኦም ንኹሉ ህዝብና

እንታይዩ በደሉ ዝህዝብና

60 ዓመት ለይትን ምዓልትን ተጋዲሉ

ድሕሪ መሪር ቃልሲ ናጽነት ኮነ ተዓሊሉ

ኤርትራ ሃገርና ወደቐት ኣብ ትሕቲ ዓዋሉ

ህዝብና መቐረት ናጽነት ማንካ ከየልዓሉሉ  

ንጥፍኣት ህዝብና ሓሓሊፎም ክናት ኣጎዱሉ

ሕደጉ ተበልካ ብትምክሕቲ ብጻሓይ ዝምሕሉ

ሓሰውቲ 30 ሺሕ ሓቢእካ 19 ሽሕ ሰዊእና ዝብሉ

ነውራማት ታሪኽ ስዉኣት ንምንጋር ንህዝብና በቂቆምሉ

 

   እንታይዩ በደሉ ህዝብና

  

     ካብ ምልኪ ጭኮና ናብ ዝኸፍኤ ምልኪ ጭኮና

   ብኹሉ ተጋሂሱ ባህልን ልምድን ስርዓት ዓደቦና

  ሓኺኾሞ ሕጊ ለጎጭዋ (ማይ ልሓም) ዛውል ዓድና

  ተደምሲሱ ሕጊ ኣክለ ምልጋእ ማዕረ ዝዳኒ ንህዝብና

 ንሓቂ ዝጫበት እዋሓስ የግብእ ተናፋቒ ባህሊ ኣቦታትና

 ክሳዕ ምዓስ ብመጋሚዶ ዓዋሉ ክትህሰን ክትርመስን ዓድና

 

                        እንታይዩ በደሉ ህዝብና

                     

           ጉድ ተረኽቡ ትጋገዩ ኣለኹም ዝበለ ናብ ጉድጓድ ዳጔና

         ኣብ ጉድጓድ ኣየር ሲኢኖም ዝተባላሸዉ ስዉር ንህዝብና

         ተባራበር ህዝቢ ንዝተረፉ ከተድሕን ስጎግ ሕሱም ጽላኢና

         ብተግባራት ህግደፋውያን  ዘይተማሃረ ሑሉፍ ድንቁሩና

        ካብ ገድሊ ኣትሒዞም ንስልጣንም ክብሕቱ ዘህለቑ ህዝብና

እንታይዩ  በደሉ ህዝብና

  

ዎህዝበይ ካብ ተሓቢእካ እንታይ ምዓት ወርደና ምባል

ንነብስኻ ምቕላዕ ፉሉጥ ተቓዋማይ ኩን ንሓርነት ንመሰል

ብሂወትና ከለና ሕድሪ ስዉኣትና እና ረኤና ክጥለም ክብደል

ንስለ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝተሰዉኡ ኣብ መሪር ምግዳል

ብምልኪ ህገደፍ ኣብ ርእሲ ህዝብና ንሪኦ ኣሎና ጨካን በደል

 

                           እንታይዩ በደሉ ህዝብና

                              

                   ንናጽነትን ሓርነትን ምዓርነትን እኮዩ ተጋዲሉ

                   ንስለዚ ቁድስ ዕላማ እኮዩ ክቡር መስዋእቲ ተኸፊሉ

                   ንህልቀት ንሓሳር ንመከራ ብኣፎም ኣለናካ ዝብሉ

                   ገበነኛታት ህግደፍ ስለምንታዮም ብህዝቢ ዘሽካዕሉሉ

                   ግዶም ይፈለጥ ንሃገር ናብ ሓደጋ ኣሳጢሖም ዝዕሉሉ

                 ኣፍካ ሎጊምካ ኢድካ ጠሚርካ ስቕ መፍትሒ ነይብሉ

                 ውረድ ከይ ትውራድ ኢልና ኣብ ግምባሩ ንጨምተሉ

 

እንታይዩ በደሉ ህዝብና 

 

ኣብዘይ ፍትሓዊ ውግእ የእትዮም ዘህለቅዎ ኣሻሓት ንርኣዮ

ምርረት ምምሕዳሮም ጽሊኡ ንስደት ዘምረሔ ኣሻሓት ንርኣዮ

ብጉድለት ምምሕዳር ናይ ተጽጸባይ ረድኤት ኣሻሓት ንርኣዮ

ብኣውራጃዊ ዓልየታዊ ስብከቶም ዝተቓያየመ ኣሻሓት ንርኣዮ

ስለ ተቓወመ ዓዱ ተሓሪሙ ኣብ ስደት ዘሎ ኣሻሓት ንርኣዮ

ድምር ናይዚ መስዋእቲ ተዓቂቡ መሰሉ ተሓልዩ ተትወፍር ንዕዩ

ብሓቂ ህዝቢ ኤርትራ ብርሃኑን ጸጉኡን ጻሙኡን ብቅሳነት ምርኣዮ

 

                                      እንታይዩ በደሉ ህዝብና

                           ኣብ ክንዲ ጽልኢ ዝበለጸ ኢዩ ነይሩ ፍቕሪ

                            ኣብ ኽንዲ ሓሳር ዝበለጸ ኢዩ ነይሩ ኽብሪ

                       ኣብ ክንዲ ጥልመት ዝበለጸ ኢዩ ምኽባር ሕድሪ

                         ኣብ ክንዲ ተንኮል ቁኑዕ ምዃን ንታሪኽ ነባሪ

                     ክንዲ ዲክታይተራዊ ምልኪ ዝሓሸ ምቕባል ምኽሪ

                  ተጋጊኹም እንተ በልካ ስርዓት ህግደፍ መሊሱ ዝኹሪ

                      ገበኖም ይቀላዕ ኩሉ ግዝየ ብለይቲ ይኹን ብቐትሪ

                   ግደ ሕሰመ መከራ ህልቀት ዝገበሩ ህግደፍ ኢዩም ሰሪ

                  እዚ እና ፈለጥና ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ምዃን ጽያፍዩ ነውሪ

                    ነውሪ    ነውሪ   ነውሪ

 

    እንታይዩ በደሉ ህዝብና

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ የማነ ማንኪ ሓጎስ ክሻ

   ንሃገር ኣጽኒቶም ክነብሩ ዝደልዩ ኣብ ኮሮሻ

     ነዚኦም ዘይ ፈልጥ ደንቆሮ ዲዩስ ወሲ ዓሻ

   ህልቅት ናይ ሃገር ንዖኦም መግቢ ኢዩ ሕምባሻ

ሓኺኾሞ ባህሊ እንዳባ ተሳእነ ንሓድሽ ወለዶ ውርሻ

    

                           እንታይዩ በደሉ ህዝብና

                        ኣሻሓት ዜጋታት ተኣሲሮም ተመቑሑ ዝሳኣኑ ፍርዲ

                        ዓቕሎም ጸቢቡዎም ኣየር ዘይ ብሉ ማእሰርቲ ጎዳጉዲ

                         ብጓህን ናፍቖትን ሕማም ዘሕደሩሉ ነቲ ኩቡር ወላዲ

                       ደም ዘንቡዑ ንደቃ ትሻዓተ ውርሒ ተሰኪማ ኣብ ከብዲ

                      ንደቃ ገይሮሞም ብሓይሊ ናይ ስልጣኖም ሓለውቲ ዕርዲ

                     ህግደፍ ካብ ስልጣን ከልግስ ኣለዎ ብዝኾነ ይኹን መንግዲ

 

                         እወ ከልግስ ኣለዎ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ

                            

ፍረ ጻማ ጀጋኑ ስዋትና ንዓመጽቲ ህግደፍ ጒሒፍና

ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ይፍተዉ ይጽሉኡ ኣይንለቆምን ኢና

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትን ንስንኩላትን

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2160

Posted by on May 9 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net