ዑደት”ጎሽ” ናብ ኣሜሪካ ጸጥታዊ ትካላት ስርዓት ህግደፍ ኣሽቒሉ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ግንቦት 09, 2005
ካርቱም  

 ሰርዓት ኤርትራ ንዑደት ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ ሱዳን ኢንጂነር ሳላሕ ጎሽ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብቲ  ምስ ኣሜሪካዊ መዘንኡ ዝገበሮ ዝተፈላልዩ ርክባት ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናታት ዘቶከረን ብትሪ ነቒፉ።ናይቲ ስርዓት ማዕከናት ዜናን ከፍሊ ፕሮፖጋንዳን ዑደት ጎሽ ከምዘይሕጎሰን ሃንደበታዊ ብምግለጽ፡ ሱዳን ዓሰርተ ሽሕ ውልቐሰባት ንመድበር ስለያ ሲ.ኣይ.ኤይ.(CIA) ኣብ ኣፍሪካን ሃገራት ዓረብን ዝሰርሑ ከምዝቖጸረት ከሲሰን።ኣስዒቡ እቲ ጸብጻብ  እቶም ዝተቖጸሩ ሰባት ንዕላማታት ሲ.ኣይ.ኤይ.(CIA)  ንምስላጥ ኣብ ኣፍሪካን ሃገራት ዓረብን ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ገሊጹ።ኣብ ልዕሊ እዚ ከፍሊ ጸጥታ ሱዳን ጨንፈር ስለያ ኣሜሪካ (CIA) ኣብ ቐርኒ ኣፍርቃ ምዃኑ እቲ ጽብጻብ ሓቢሩ።ስርዓት ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ከም ፖሊስ ድሌት ምዕራባዊያን ሃገራት ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ጉራብቱ “ኣህጉራዊ ጥሩፍነትን ኣፍጋኒስታዊያን  ቐርኒ ኣፍሪቃ” ኢሊ ብምምስማስ ኩናት ምእዋጁ ይፍለጥ።ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን የመንን ብምምስማስ “ጥሩፍነት” ናይ ኩናት ፖሊሲ ከምዝተከተለ ይፍለጥ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2779

Posted by on May 9 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net