News

ዑደት”ጎሽ” ናብ ኣሜሪካ ጸጥታዊ ትካላት ስርዓት ህግደፍ ኣሽቒሉ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ግንቦት 09, 2005
ካርቱም  

 ሰርዓት ኤርትራ ንዑደት ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ ሱዳን ኢንጂነር ሳላሕ ጎሽ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብቲ  ምስ ኣሜሪካዊ መዘንኡ ዝገበሮ ዝተፈላልዩ ርክባት ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናታት ዘቶከረን ብትሪ ነቒፉ።ናይቲ ስርዓት ማዕከናት ዜናን ከፍሊ ፕሮፖጋንዳን ዑደት ጎሽ ከምዘይሕጎሰን ሃንደበታዊ ብምግለጽ፡ ሱዳን ዓሰርተ ሽሕ ውልቐሰባት ንመድበር ስለያ ሲ.ኣይ.ኤይ.(CIA) ኣብ ኣፍሪካን ሃገራት ዓረብን ዝሰርሑ ከምዝቖጸረት ከሲሰን።ኣስዒቡ እቲ ጸብጻብ  እቶም ዝተቖጸሩ ሰባት ንዕላማታት ሲ.ኣይ.ኤይ.(CIA)  ንምስላጥ ኣብ ኣፍሪካን ሃገራት ዓረብን ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ገሊጹ።ኣብ ልዕሊ እዚ ከፍሊ ጸጥታ ሱዳን ጨንፈር ስለያ ኣሜሪካ (CIA) ኣብ ቐርኒ ኣፍርቃ ምዃኑ እቲ ጽብጻብ ሓቢሩ።ስርዓት ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ከም ፖሊስ ድሌት ምዕራባዊያን ሃገራት ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ጉራብቱ “ኣህጉራዊ ጥሩፍነትን ኣፍጋኒስታዊያን  ቐርኒ ኣፍሪቃ” ኢሊ ብምምስማስ ኩናት ምእዋጁ ይፍለጥ።ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን የመንን ብምምስማስ “ጥሩፍነት” ናይ ኩናት ፖሊሲ ከምዝተከተለ ይፍለጥ።

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top