Poetry

ብዓል መርገም ስንቆም

ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ

        ብዓል መርገም ስንቆም ንህዝቢ ንምጽናት ዓጢቖም

        ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኲናት ወሊዑ ከደስቖም

        ኣብ ውጻኢ ዘለዉ ድርሃጽሉ ገንዘቦም እንዳ ምሓቖም

      ዝተቓሞም ኣብ ጎዳጉድ ኣሲሩ ብዘይ ፍርዲ ከሕቅቖም

      ብጓሂ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ይመስሎም ኣሎ ዝስሕቖም

  ንኤርትራ ሃገርና ኣድፊሮም ብዓለምና ኣንዒቖም

  ንብረቶም ከየልዓሉ ጠንጢኖሞ ናይ ዕርዲ መንደቖም

  ውርደት ዓልምና ተዓዘበ ኣበይ ከም ዝበጽሑ ዘሊቖም

  ንመስርሕ ሰላም ተሓሲሞም ሕራይ ዝብሉ ተደሲቖም

  ቅጭጭ ዘይብሎም ዕሸላት መንእሰይ ኣሻሓት የህሊቖም

   ሕጂ ድማ ንዳግመ ውግእ ከእትውና ካላእ ትመልዓሶ

  ንዑ ክፉት መገዲ ኣሎ ናብ ሃ.ዲ.ኪዳን  ኩልና ንቃለሶ

  ሓንሳብ ንሓውሩ ጨኳኒ ስርዓቶም ፈጺምና ክንድምስሶ

  ህዝብና ይግቦኦ ኢዩ ፍረ መስዋእቲ ደቁ ሓርነቱ ከነልብሶ

   ኣብ ሞንጎ ምጽናትን ምድሓንን ቲፈዞ ኣይኮነን ጾዎታ ኩዑሶ

 ንሕብረተ ሰብና ባህሉን ልምዱን ቀንጢጦም

 ኣዕናዊ ብኣውራጃ ብዓሌት ብቐቢላ ሸቂጦም

 ንዕምሪ ስልጣኖም ምንዋሒ ዝገበርዎ ፈሊጦም

 ንኽፍኣት መጋብሮም ንንቃሓሉ ኩሉና ንፍለጦም

  ምልኪ ስርዓቶም ክሕምሸሽ ኩልና ንቐጥቅጦም

       እንታይ ኢዩ ጉዱ ንህዝቢ ከም ዓሳ ወዲኦሞ ገፊፎም

      ርሃጽ ኣንዳማቶም ንደላር ብዝታሓተ ዓሚጾም ኣሽሪፎም

      በለጽ ንዝጠመየ ስድራቤት ከይ ዕንገል ካብ ኣፉ ኮሊፎም

       ነዚ ስርዓት እዚ ገበን ኢዩ ምጥቓዕ እናበልካ ወዲ ኣፎም

       ኣገናዕ ንእከይ መጋብሮም ተቓዊሙ ዕጭ ዝሓንፈፎም

ህ.ግ.ደ.ፍ ብተግባሮም እንትርፎ ክርገሙ መን ክምርቖም

ከም ዓሳ ዝተገፈ ሰራዊት ይጥንጥንዎ ኣለዉ መመሊቖም

ንህግደፍ ኣብ ርእሲ ሃገር ዝገበርዎ ገበን ዘበት ኸይንላቐቖም

ሃ.ዲ ኪዳን ተመስሪታ ኣላ እሳያ ን.ህ.ግ.ደ.ፍ ተሕምቖም

ካብዚ ኹሉ ምዓት ሕሰመ መከራ ስደት ንህዝብና ከተላቅቖም

    ተቓወምቲ መሲልኩም ኣብ ውሽጢና ሉኡኻት ናይ ህግደፍ

   ንህዝቢ ካብ ምህሳይ ምፍንጫል ሰራም ኣመልኩም ነይ ግደፍ

   ጥዕም ጥዕም ቀዳድ ክትደልዩ ንቓልሲ ምእንቲ ምቅዋም ክግደፍ

   ሞራል ሓርበኛታት ክትሰብሩ ጽግዕ ጽግዕ ናበዩ ዝኹሉ ሃተፍተፍ

   ብልሓትኩም ይፈለጥ ጥዕም ጥዕም  ንቃልሲ ጸበል ዲዩ መግደፍ

   ንምዃኑ ግደ ሓቂ ተላኣኽኩሞ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ብህግደፍ

  ምሃንድስ ናይ ምፍራስ ወሬኹም ኣይጣዓመን

  ግብሩኽም ግናይ ሩግም ሕንዚ ዕንቅሪቢት ተመን

  እዚ ኹሉ ለክበጥበጥ ኣብ ርእሲ ኣዕጽምቲ ብዓልመን

 ምብራቕ ተመሲሕካ ምዕራብ ምድራር ንዓኻትኩም ሸነን

 ፈሊጥናክም ኣሎና ሉኡኻት ምሳኽም ቃልሲ ዘዋጽእ ኣይኮነን

እዛ ተመስሪታ ዘላ ዕድል ሃ.ዲ ኪዳን ናይ ኩላህና ጠቕሚ

ክንካላኸለላ ክንበቅዕ ኣሎና ከይ ቅይርዋ ናብ ህግደፋዊ ጠቕሚ

ፋሕፋሕ ዘብል ከየእትውልና ኣብ ውሽጥና ከይ ኩዕውልና ስሚ

ዘይ የካትዕ ንሓቢርካ ተሳኒኻ ምስራሕ ዝዋዳደሮ የለን ዓቕሚ

ሓደራ ብኹሉ ኩርንዓት ንጠንቐቕ ከይርከብ ከዳዕ ጠላሚ

ኣጀኹም ኣጆና መገድና ጸቢቑ ኣሎ ካብቲ ናይ ዓሚ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top