ብዓል መርገም ስንቆም

ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ

        ብዓል መርገም ስንቆም ንህዝቢ ንምጽናት ዓጢቖም

        ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኲናት ወሊዑ ከደስቖም

        ኣብ ውጻኢ ዘለዉ ድርሃጽሉ ገንዘቦም እንዳ ምሓቖም

      ዝተቓሞም ኣብ ጎዳጉድ ኣሲሩ ብዘይ ፍርዲ ከሕቅቖም

      ብጓሂ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ይመስሎም ኣሎ ዝስሕቖም

  ንኤርትራ ሃገርና ኣድፊሮም ብዓለምና ኣንዒቖም

  ንብረቶም ከየልዓሉ ጠንጢኖሞ ናይ ዕርዲ መንደቖም

  ውርደት ዓልምና ተዓዘበ ኣበይ ከም ዝበጽሑ ዘሊቖም

  ንመስርሕ ሰላም ተሓሲሞም ሕራይ ዝብሉ ተደሲቖም

  ቅጭጭ ዘይብሎም ዕሸላት መንእሰይ ኣሻሓት የህሊቖም

   ሕጂ ድማ ንዳግመ ውግእ ከእትውና ካላእ ትመልዓሶ

  ንዑ ክፉት መገዲ ኣሎ ናብ ሃ.ዲ.ኪዳን  ኩልና ንቃለሶ

  ሓንሳብ ንሓውሩ ጨኳኒ ስርዓቶም ፈጺምና ክንድምስሶ

  ህዝብና ይግቦኦ ኢዩ ፍረ መስዋእቲ ደቁ ሓርነቱ ከነልብሶ

   ኣብ ሞንጎ ምጽናትን ምድሓንን ቲፈዞ ኣይኮነን ጾዎታ ኩዑሶ

 ንሕብረተ ሰብና ባህሉን ልምዱን ቀንጢጦም

 ኣዕናዊ ብኣውራጃ ብዓሌት ብቐቢላ ሸቂጦም

 ንዕምሪ ስልጣኖም ምንዋሒ ዝገበርዎ ፈሊጦም

 ንኽፍኣት መጋብሮም ንንቃሓሉ ኩሉና ንፍለጦም

  ምልኪ ስርዓቶም ክሕምሸሽ ኩልና ንቐጥቅጦም

       እንታይ ኢዩ ጉዱ ንህዝቢ ከም ዓሳ ወዲኦሞ ገፊፎም

      ርሃጽ ኣንዳማቶም ንደላር ብዝታሓተ ዓሚጾም ኣሽሪፎም

      በለጽ ንዝጠመየ ስድራቤት ከይ ዕንገል ካብ ኣፉ ኮሊፎም

       ነዚ ስርዓት እዚ ገበን ኢዩ ምጥቓዕ እናበልካ ወዲ ኣፎም

       ኣገናዕ ንእከይ መጋብሮም ተቓዊሙ ዕጭ ዝሓንፈፎም

ህ.ግ.ደ.ፍ ብተግባሮም እንትርፎ ክርገሙ መን ክምርቖም

ከም ዓሳ ዝተገፈ ሰራዊት ይጥንጥንዎ ኣለዉ መመሊቖም

ንህግደፍ ኣብ ርእሲ ሃገር ዝገበርዎ ገበን ዘበት ኸይንላቐቖም

ሃ.ዲ ኪዳን ተመስሪታ ኣላ እሳያ ን.ህ.ግ.ደ.ፍ ተሕምቖም

ካብዚ ኹሉ ምዓት ሕሰመ መከራ ስደት ንህዝብና ከተላቅቖም

    ተቓወምቲ መሲልኩም ኣብ ውሽጢና ሉኡኻት ናይ ህግደፍ

   ንህዝቢ ካብ ምህሳይ ምፍንጫል ሰራም ኣመልኩም ነይ ግደፍ

   ጥዕም ጥዕም ቀዳድ ክትደልዩ ንቓልሲ ምእንቲ ምቅዋም ክግደፍ

   ሞራል ሓርበኛታት ክትሰብሩ ጽግዕ ጽግዕ ናበዩ ዝኹሉ ሃተፍተፍ

   ብልሓትኩም ይፈለጥ ጥዕም ጥዕም  ንቃልሲ ጸበል ዲዩ መግደፍ

   ንምዃኑ ግደ ሓቂ ተላኣኽኩሞ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ብህግደፍ

  ምሃንድስ ናይ ምፍራስ ወሬኹም ኣይጣዓመን

  ግብሩኽም ግናይ ሩግም ሕንዚ ዕንቅሪቢት ተመን

  እዚ ኹሉ ለክበጥበጥ ኣብ ርእሲ ኣዕጽምቲ ብዓልመን

 ምብራቕ ተመሲሕካ ምዕራብ ምድራር ንዓኻትኩም ሸነን

 ፈሊጥናክም ኣሎና ሉኡኻት ምሳኽም ቃልሲ ዘዋጽእ ኣይኮነን

እዛ ተመስሪታ ዘላ ዕድል ሃ.ዲ ኪዳን ናይ ኩላህና ጠቕሚ

ክንካላኸለላ ክንበቅዕ ኣሎና ከይ ቅይርዋ ናብ ህግደፋዊ ጠቕሚ

ፋሕፋሕ ዘብል ከየእትውልና ኣብ ውሽጥና ከይ ኩዕውልና ስሚ

ዘይ የካትዕ ንሓቢርካ ተሳኒኻ ምስራሕ ዝዋዳደሮ የለን ዓቕሚ

ሓደራ ብኹሉ ኩርንዓት ንጠንቐቕ ከይርከብ ከዳዕ ጠላሚ

ኣጀኹም ኣጆና መገድና ጸቢቑ ኣሎ ካብቲ ናይ ዓሚ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2162

Posted by on May 8 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net