ካስላዊት ንግደት

ኣትያ’ምበር ’ታ ዕለት!

ብ ረ.ክ.(ባሻይ) ሓምለ 17-‘05

ህረሚ ነጋሪት ንገርዮም ኢኺ

ዘምባዕ-ባዕ ዘይብሉ ፈንዊ ዜናኺ

ግዲ የለን ድሓን ሰማዕቲ ‘ለዉኺ

ከም ሰርቢ ማይ ቀርኒ ላም ዝፈሊ

ተቓላሳይ ህዝቢ ፈተውትኻ ኣለሊ

ጸላእትኻስ’ምበር ዳርጋ መሚኻዮም

ፈተውትኻ’ንደሞ ቍሩብ ዘንጊዕካዮም

      ጸላእቲ ፈሊጥካስ እንታ’ዩ ዝግበር

      ምስ ንጹር ፈታዊ ‘ተሰመርካ ኢዩ’መበር

      ነቕ ዘይብል መርገጽ ዘይቅየር ዘረባ

      ተጨርጊፉ ዘይረግፍ ከም ጋባ

ዝወናጨፍ ኣሎ ሓሳባት ዝድርበ

በዚ ሎሚ እዋን ንህግደፍ ዝጽበ

ንህግደፍ ኣሚኖም መስኮት ዝገድፍሉ

ጽንሕ ኢሎም ድማ ማዕጾ ዝኸፍትሉ

      ተቓራረብ’ሞ ምሰ ሰብ ጽኑዕ መረገጽ

      ጸረ ስርዓት ምልኪ ጸረ ህግደፍ ሓርገጽ

      ብልዝብ እንዳልካ ሸታሕታሕ ፈዀስኰስ

      መን ከሳሲ ኰይኑ መን’ዩኸ ዝኽሰስ

ዘንባዕ-ባዕ ዝበለ ኣላሽ ‘ዝዕላሉ

ኒዮው በልዎ ኢኹም ኩቦ ደርብይሉ

ዓቕሊ ጽበት’ወ ዘይረብሕ ትሒም-ሒም

ከይጀመርካ ድሕሪት ብሸበጥ ቅድድም

      ጣቓ ግመ ከዲኖሞ ኣዒንቲ ጥዑያት

      ሱር ነቀል ይብሉ’ሞ ጽንሕ ኢልካ ብኽያት

      ወይ ስረ ምዕጣቕ’ዩ ቍልፊ እንተልዩካ

      ወይ መጻእኩ በሎም ነብስኻ ወኪልካ

ካስል ንገርዮም ኣጋይሽ ለብዘበን

ግዜ ይወስድ እምበር ሓቅታት ኣይድርበን

ቀልባዕ-ባዕ በዚሑ ፍቖድኡ ዕብዳን

ክሕይሉ ኣለዎም ዋናታት ናይ ኪዳን!!!


Short URL: https://english.farajat.net/?p=2223

Posted by on Jul 17 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net