ኣቶ ብርሃነ የማነ ነቲ ብግንባር ድሕነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበጸሐ ስምምዕ ንኣባላት ማእኸላይ ባይቶ ሰለስተ ውድባት ኣብ ካርቱም መብርሂ ሂቡ

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር
ሓምለ 16, 2005
ካርቱም

ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መርሒነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኣቦ መንበር ሰደገኤን ኣቶ ብርሃነ የማነ(ሃንጅማን) ነቲ ብኣቦ መንበራት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣቶ ዓብደላ ኣደም፤ብዶክተር በየንን ኣቶ ብርሃነ የማነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበጸሓ ስምምዕ፡ ኣብ ካርቱም ንዝርከቡ ማእኸላይ ባይቶ እተን ሰለስተ ውድባት ካብ ሓምለ 14-15, 2005 ኣብ ዝተገበረ ሰሚናር መግላጺ ሂቡ።ኣብቲ ሰሚናር ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ተሞክሮ ግንባር ሓድነት ኤርትራን ኣብ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ዝበጽሕዎ መደምደምታን ውሳነታትን ከምእውን ናብ ፍጹም ሓድነት ዘምርሕሉ መገዲ መብርሂ ከምዝተዋሃበ ኣቶ ዑቕባይ ተኽሉ ሓላፊ ቤ/ጽ ካርቱም ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር ሓቢሩ።

ኣኼበኛታት ብወግኖም ነቲ ዝተዋሃበ መብርሂ ብምሰማዕ፡ ናይ ዝሓለፈ ጉዕዞ ግንባር ድሕነት ኤርትራ ብደቂቕ ገምጊሞም።ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣፈናዊ ርክብ ከምዝሓለፈ መሰናክላት ንከይገጥሞ ምስቲ ሃንቐውታ ህዝቢ ንስምረት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነፍሰውከፍ ኣባል እዘን ውድባት ካብ ዝልዓለ መርሒነት ከስብ ዝተሓተ ካድር ደቂቕ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክበጽሖምን ብቐጥታ ተሳታፍነት ክህልዎምን ድሕሪ ምልባው፡ ኣባላት ሰለስቴኤን ውድባት ኣብ ሕጋዊ ኣኼባታተን ክዝትያሉን ብክትዕ ሃብቲሙ ወሳነ ሓሳብ ንኽህባሉን ዕድል ክዋሃቦም ኣተሓሳሲቦም።

ነቲ ብኣቦ መንበራት ሰለስተ ወድባት ተበጺሑ ዘሎ ውሳነ፡ በብደረጅኡን በብቦትኡን ንኣባላት እተን ሰለስተ ውድባት መግለጽን መብርህን ንምሃብ ኣቶ ብርሃነ የማነ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መርሒነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንካርቱም ምእታዉ ይዝከር። 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2812

Posted by on Jul 16 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net