ዝኽሪ ንሓው ስዩም ዑ/ሚካኤል

ታሕሳስ 18-2005 ብ ረ.ክ (ባሻይ)

ዓገብ!

ምስ ፊደላት ቃልሲ ተማሂርካ

ብህጻንካ ነጻነት ጽሒፍካ

ብምረት ናይ ቃልሲ ዝሓለፈ

ንሃገሩ ፍቕሪ ዝገደፈ

ንኽብሪ ሃገሩ ዝተኣስረ

ምስ ቀዳሞት ሜዳ ዝወፈረ

ዝመከተ ዝተዓጥቀ ስረ

      ኣለዉኻ ብዙሓት መዛኑ

      ክሳብ ሕጂ ፍጹም ዘይኣመኑ

      ይብሉ ’ለዉ ስዩም እንታይ ኰይኑ?

ሓው ስዩም ብርዕኻ እንታይ ሽማ

ነጻነት ትጽሕፍ ደጋጊማ

ብህጻንካ ዝሓዝካያ ኣርማ

      ሕጂ ድማ ንመሰል እንዳበለት

      ዘይነጸፍ ቀለማ እንዳዝነበት

      ኣይመነገዱን ሬሳ ናብ ጎሬቤት

እንዳበልካ ንመጽእ ኣለና

ተቓሊስና ግን ክኣ ረቲዕና

ኣዘንጊዓትና ሞት ጠኒና

      ሞት ሓያል ሕዛእቲ ብዙሓት

      መንጢላ ትወስድ ብዘይ ስርዓት

      ብዘይ ሕጊ ብዘይ ዋሕስ ምዕጋት

ንነጻነት ህዝቦም ዝተላዕሉ

ኣይግዛእን እምብለይ ዝበሉ

ንሳ ነይራ ሓው ስዩም ዕላሉ

      ንመሰሎም ብዙሕ ዝነደሩ

      ብተግባር ደው ኢሎም ዝመደሩ

      ሓው ስዩም ሓደ ካብኦም ነይሩ

ተቓላሳይ ይስዋእ ተቓለስቲ ይቕጽሉ

ጨካን ውሳኔ ሞት ይቕበሉ

ዕረ እንዳጠዓሞም ሕራይ ይብሉ

      ጽንዓት ተኸደኑ ስድራቤት መዋቲ

      ትብዓት ተዓጠቑ ተቓለስቲ

      ለበዋ ሓው ስዩም ንሳ ሓንቲ!!! 

ረ.ክ (ባሻይ)


Short URL: https://english.farajat.net/?p=2225

Posted by on Dec 18 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net