ተ.ሓ.ኤ ሶባ ሕማቅ ውርሻ ናይ ሽዓብያ ተመኩሮ

ዎ ተቓላሳይ ደላይ ለውጢ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ ኣደራዕ ሕሰመ መከራ ስቓይ የእዊኻ ረዳኢ ዘይ ቡሉ እዋን ክንሱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ክንዲ ኣውያትካ ሰሚዕም ንረዳትካ ዝሻባሸቡ ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ጠቕሚ ተሓጺሮም ኣንጻር ንውራይካ ቀዳምነት ሂቦም ኣብ ማኣዲ ሓድነት ኮይኖም ውድባዊ ቅርሕንቲ ወጊዶም ንዝቓለሱ ተቓለስቲ ብ ተ.ሓ.ኤ ሶባ ኣብ 6ይ ውድባዊ ባኤኦም ካብ ጸቢብ ውድባዊ ጠቕሚ ተበግሶም ዘይ ርትዓዊ ጸለመን ዘለፋታት መግለዚ ብምግላጽ ከየሕዘነና ኣይተረፈን።

         ተ.ሓ.ኤ ሶባ ሕማቕ ውርሻ ናይ ሽዓብያ ተመኩሮ  ዘበለኒ  ምኽንያት ኣብ ሜዳ ኸለው ሽዓብያ ን ተ.ሓ.ኤ ንምቕንጻል ብጸለመን ዘለፋን እዮም ጀሚሮማ ንውድቦም ከም ቅኑዓት ኣምሲሎም ውድባዊ ጠቕሚ ንምርዋይ ካብ’ኡ ሓሊፎም ድማ  ንውድብ ተ.ሓ.ኤ ብዘለፋን ጸለመን ከይትሓጽሩ ካብ ሱሱዕ ሕርፋኖም ተበጊሶም ንሜዳ ኤርትራ ንበይኖም ንምብሓት ኣብ ርእሲ ተ.ሓ.ኤ ልፍንታዊ ሓይሊ ተጠቒሞም ኣዕናዊ ውግእ ከፊቶም ንሜዳ ኤርትራ ባሓትዎ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ እዚ ዘይባሃል ኣሻሓት ደቁ ከሲሩ ኣብ ክንዲ ተሳማሚዕካ ንጸላኢ ምስጓግ ክዕቆብ ዝግቦኦ ሂወት ንግላውን ውድባውን ጠቕሚ ኣሻሓት ሂወት ጠፊኡ ስለ ዝኾነ ኽኣ እነሆ ሃገርናን ህዝብናን ሕጂ ይስሕኖ።

        ተ.ሓ.ኤ ሶባ ኽኣ ናይ ዝሓለፈ ኮለል ከይ ኣኽሎም ኣብ 6ይ ውድባዊ ጉባኤኦም ዘውጹዎ መግለጺ ዝተዓዘበ ኣብ ቕርሕንትን ጸለመን ውድባዊ ትምክትን ገና ከምዘይ ተላቐቑ ውራይ ህዝብና ሕሰሙን ስቕያቱን ረሲዕም ዘየቃራርብ ቃላት ካብ ሓቂ ዝራሃቐ መግልጺኦም ነዚ ናይ ኣሻሓት ሂወት ዝበልዔ ተብላጺ ተመኩሮ ሽዓብያ ዝወርሱ ዘለዉ ኮይኑ’ዶ ኣየስምዕን።   

           ብዛዕባ ኣብ 2003 ዝተገብረ ምፍንጫል ቁስልታትኩም ኣይ ትረስዑ ዝዓይነቱ ኣብ 6ይ ውድባዊ ጉባኤኦም መግለጺኹም ኣቡኡ ኣትየ ኮለል ክብል ኣይደልን ምኽንያቱ ብጻይ ገብሩ ሓጎስ ዓገብ ሰውራዊ ባይቶ  ካብ ቀዳማይኩም ዳሕራይኩም ገደደ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ገልጹዎ ስለ ዝኾነ። ቁስልታት ምግዳእ ኣብዚ ግዜዚ ህዝብና እና ተጨፍጨፈን እና ሃለቀን ነየናይ ሽግር’ዩ ኽፈትሕ ሕጂውን ኣንተኾነ ካብ ብቕርሕንቲ ተላጢጥካ ዘለፋን ጸለመን ሰጊርና ብዝሓለፈ ተሞኩሮታትና ተማሂርና ኣውያት ህዝብና ሰሚዕና ኩሉና ዘሎ ሕድገት ጌርና ቃልስና ኣዋሃሂድና ንህዝብና ካብዚ ዘለዎ ደልሃመት ንምልቓቅ እንተ ተቓለጠፍና እቲ ዝሓሸ መንግዲ’ዩ እብል ካብዚ ሃሊፉ ኣብ ርእሴና ዝወሰድኩሞ ቀንጸላ ገዲፍካ ግባኤኹም ዕውት ብምንባሩ የሔጉሰኒ እቶም ኣብ 6ይ ግባኤ ውድብኩም ተመርጹ መሪሕነትን ተጣባበቅትን ክኣ ብዘይ ሓድነት ዝርከብ ዓወት ስለ ዘየሎ ኣብ መስርሕ ሓድነት ብሓድሽ መንፍስ ንኽትዋሱኡ ሙሉእ ዓወት ይምነየልኩም። Congratulations to all of you

             ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡ ዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2376

Posted by on Aug 9 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net