ስደተኛ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፣

ኣርዑት ጭቆና ከቢዱኒ

ሂወት ሓሲሙኒ

ኩሉ ጸልሚቱኒ

ሕልናይ ዓሪቡኒ

ሓራ ክወጽእ ሓለንኩ

መንገዳይ ተለምኩ

ክላእ ትንበሮ ክራማት

ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት

ንየው በሎ ኤርትራዊ ሓለት

ከርፋሕ ዘመናዊ ባርነት

እምብለይ ረዕዲ

ቶባ ማእሰርቲ

ኣረመናዊ መግረፍቲ

ተካል ዓዘቕቲ

ይትረፈኒ ሂወት ኤርትራ

ክሳብ ትወጽእ ሓራ

ይኣክል ድኣ በልኩ

ቀይዲ በተኽኩ

ዶብ ጥሓስኩ

አጻምእ ምድረ-በዳ ረጊጸ

ጎረሮም ዝነቐጸ

አሕዋተይ ቀቢጸ

ንብዓተይ ነጺገ

እወ ! አእምሮይ ተናዊጸ

በጻሕኩ ሊብያ ዘይርገጽ ረጊጸ

እንታይ’ሞ ዘይጣበብ ዝቐበጸ

እንተ ዘይ መረኒ

እንተ ዘይ ከፍኣኒ

እንተ ዘይ ጸበኒ

ሕሩም ክብለኩም

ምድሪ-ሳሃረ ኣይምረገጽኩን

            ወልደስላሰ ተስፋይ ዑመር ፡

                  11/8/06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3564

Posted by on Aug 11 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net