News

ኩለ መዳያዊ ምድላዋት ሓድነታዊ ጉዳኤ ሰለስተ ውድባት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተዛዚሙ

GIC
12/08/2006

   ወኪል ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሓበሮ እቲ ጉባኤ ብዓቢ ሃገራዊ ስሚዒት ንዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ ዕለት 15 ክጅምር  ምኻኑ ገሊጹ ። እቲ ሓበሬታ ኣብ መግለጺኡ  ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገነት ሆቴል  ክካየድ ምኻኑን ብዙሓት ካብ መላእ ዓለም ዝተወከሉ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ተጋባእቲ ኣባላት ግንባር ናብቲ ቦታ ክመጹ ጀሚሮም ኣለዉ ክብል እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ። በተወሳኺ ብዘይካ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ተወሰኽቲ  ጋዜተኛታትን ፡  መሓዙት ኤትራን ከም ተዓዘብቲ ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጾሎ ።

  እዚ ጉባኤዚ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ፍልይ ዘብሎ ምኽንያት ንመጀመርታ ግዜ ድሕርቲ ንዓመታት ፈውሲ ከይተረኽቦ ዝጸንሐ ሕማም  ምፍንጫልን ምንጽጻግን ፡ ኣብ መንጎ ሰለስተ ውድባት ፡ ማለት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሃገራዊ ጉባኤ ፡ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ፡ ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ምትሕንፋጻዊ ሓድነታዊ ጉባኤ ምዃኑ ኣብ  ሓድነት ምምጽኦም ፍሉይ ተሞክሮዩ ። እዚ ከኣ እምነ  መሰረት ነቲ ጽባሕ ንግሆ ክንምስርቶ እንደሊ ምጽውዋር ዝሰረቱ ዲሞክራሲይታዊ ብዙሕነትዩ ክብሉ ብዙሓት እምነት ኣንቢሮምሉ ኣለዉ ።

ብተወሳኺ እዚ ጉባኤ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ይግበር ምህላዉን ፡  ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝተገብረ ዕዉት ጉባኤታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ስዒቡ ይግበር ምህላዉ ነዚ ዝቐነየ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ድርኺት ይውስኸሉዩ  ፡ ብተወሳኺ ድማ ነዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ጉባኤ ኤርትራዊ ዶሞክራሲያዊ ኪዳን ናይ ዓወት ኣንፈት ዝኸፍትን ጥጡሕ ባይታ ዝምድምድንዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስለዝኾነዩ ድማ  እዚ ጉባኤዚ ሒዝዎም ክወጽእ ዝኽእል ውሳኔታትን መትከላትን ኣብ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ስለዝኽእል ኩሉ ደላይ ሰላምን ለውጥን ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ ።

ከምዝፍለጥ እዚ ጉባኤዚ ኣብ ወርሒ 7 , 2006 ኣብ ሱዳን ክግበር እዃ ተመዲቡ እንተነበረ ብሰንኪ ኣብ ዞባና ዝተራእየ ናይ ፖለቲካ ምቅይያራት ኣብ ሱዳን ክግበር ኣይተኻእለን ፡ እንተኾነ ግን  ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ቅልጡፍ ምትዕርራያት ብምግባር እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ክግበር ወሲኑ ፡ እንሆ ድማ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ብዙሕ ከይመጠጠ ኩሉ ምድላዋት ወዲኡ ናብ ጉባኤ ገጹ የማዕዱ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top