ምድላዋት ሓድነታዊ ጉባኤ ሃገራዊ ድሕነት ተወዲኡ ፡ ኣብ ውሽቲ እዚ 24 ሰዓት ክጀመር ምቅርራባት ተወዲኡ ።

GIC
14/08/2006

ወኪል ማእከል ሓበሬታ ጋልፍ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምድላዋት ንሓድነታዊ ጉባኤ ሰለስተ ውድባት ግንባር ሃገራዊ ዽሕነት ኤርትራ ተወዲኡ ክብል ሃቢሩ ። ከምኡ ድማ ከብ ምሉእ ዓለም ዝተኣከቡ ተጋባእቲ  ኣብ ቦታ ጉባኤ በጺሑም ከምዘለዉ ሓቢሩ ። እቲ ሓበሬታ ክገልጽ ከሎ ጉባኤኛታት ካብ ኣሜሪካ ፡ ብሪጣንያ  ፡  ስዊደን ፡ኣውስትራሊያ ፡ ካብ ሃገራት ኤስያን ኣፍሪቃን ዝተወከሉ ቁጽሮም ብዝሕ ዝበለ ኣባላት ኣቐዲሞም ቅድሚ ሳምንታት ክኣትዉ ከምዝጀመሩ ተገሊጹ ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ቦታ ጉባኤ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ኣብ ሓደ ጉባኤ ምርኣዩ ፍሉይ ተሞክሮ ይገብሮ ክብሉ ተንተንቲ ይዛረቡ ።

   እቲ ጽባሕ ኦለት 15 ነሓሰ 2006  ቅድሚ ቀትሪ ክኽፈት ትጽቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ፡ ተሳተፍቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ፡ ዕዱማትን ፡ ተዓዘብትን ናብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ ገነት ሆቴል በጺሖም ኣለዉ ። ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ብብዙሓት ፡ ብሃገራውያንን ወጻእተኛታት መደበራት ሓበሬታ ክቃላሕ ምዃኑ እቲ ዝመጸና ሓበሬት ወሲኹ ገሊጹ ፡ ብፍላይ ድማ ጋዜጠኛታት ካብ ኤትዮጵያን ኤርትራን ድሮ ከቃልሕዎ ምዃኖም ተፈሊጡሎ ። ከምኡ ድማ ሃገራውያን ናይ ዜና ማዕከናት ድሮ ኣብቲ ቦታ ጉባኤ ተረኺበን ነቲ ሃዋህው ከንጸባርቓ ጀሚረን ኣለዋ ። ከብቶም ስጋብ ሕጂ ተሳታፍነቶም ብወግዒ ተፈሊጡ ዘሎ ወኪላት ናይ ዜና ማዕከናት ፡-

·        መሓመድ ዑስማን ኤሎስ ፡ ሓላፊ ማእከል መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ

·        ጀማል ሁመድ  ፡ ሓላፊ ማእከል ኣገልግሎት ሓበሬታ ኤርትራ

·        ዓብዱረዛኽ ከራር  ፡ ሓላፊ ፈነወ ድምጺ ምብራቕ 

   ከምኡውን ሓላፊ ማእከል ሓበሬታ ጋልፍ ኣቶ መሓመድ ጠሃ ተወከል ብኣካል ክርከብ ብዘይምኻሉ እናሕዘኖ ነቲ ጉባኤ ዘለዎ ሰናይ ምንዮትን ዓወት ተጎናጺፉ ክወጽእ ለበዉኡ ብምምሕልላፍ ፡ እዚ ጉባኤዚ ሓደ ስጉምቲ ነቲ ከይተቀባበልን ፡ እናተፈናጨለን ዝኸይድ ዝጸንሐ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ዲሞክራስን ሓድነትን ዝእንፍት ናይ መጀመርታ ተበግሶ ብምዃኑ ነታ ጽባሕ እንምነያ ኤርትራ ባብ ይከፍተልና ኣሎ ክብል ብቴለፎን ገሊጹ ።

  ኣብዚ ወርሒዚ ጥራይ እዚ ካልኣይ ጉባኤ ኣብ ኤትዮጵያ ይካየድ ምህላዉ ፡ ነቲ እናዓበይ ዝመጽእ ዘሎ ስትራተጂካዊ ዝምድናታት  ተቓውምቲ ሓይልታት ኤርትራን መንግስቲ ኤትዮጵያን ዘመልክትዩ ክብሉ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ናይዚ ዞባ ይገልጹ ። ኣዝ ኸኣ  ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ፖለቲካዊ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ዘቃልዕን ፡ ንብዙሓት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ ዘሎ ጽቡቕ ዝምድና ንኽሰርሑ ምቹእ ሃዋህው ዝፈጥርዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ ።

   ኣብ ተመሳሳሊ ዜና እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስራሕ ሃኣህው ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንስርዓት ህግደፍ ብምጥሓስ ሰብኣዊ  መሰላት ከሲሱ ፡ ኤርትራ ድማ ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ማሕበረሰብ ብዝመጻ ዘሎ ጸቕጢ ተዋጢራ ኣብ ትርከበሉ ዘላ ግዜ ምኻኑ ፡ ክሰርሕ ንዝኽእል ተኣዋሚ ሓይሊ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ምቹእ ኩነታ ተፈጢሩ ኣሎ ፡ ከምኡ ድማ ኤርትራያን ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻር ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብዝላዓለ ናህሪ ተቓውሞኦም ይገልጹ ምሕላዎም ነቲ ስርዓት ዕርቃኑ ኣብ ምቅላዕ ኣብርክቶኦም ኣብ ዝዓዘዘሉ ምዃኑ ፍሉይ ኩነታት ተፈጢሩሎ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3165

Posted by on Aug 14 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net