ሕድሪ

ሕድሪ እብለኩም ንኹሉኹም ተቓወምቲ ውድባት፡

ሕድሪ እብለኩም ንኹሉኹም በርገሳውያን ማሕበራት፡

ሕድሪ ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ቁኑዕ ሕሰቡ፡

ሕድሪ ምእንቲ ስንኩላት ሓርነት ተሰማምዑ፡

ሕድሪ ምእንቲ ኣብ ዓባይ ናዅራ ኤርትራ ዝርከቡ እሱራት ሕበሩ፡

ሕድሪ ምእንቲ ኣብ ስደት ዝሳቐ ዘሎ ዝሓይሽ ምኸሩ፡፡

     ኪዳን ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ንኽትኮኑ ዘልኣለማዊ ዘይርሳዕ ታሪኽ ክትገድፉ ሕድሪ እብለኩም ፍልልያትኩም ኣጽብቡ፡፡

     ኣቦ መንበር ኪዳን ሑሰን ከሊፋ ዝሀቦ ቃለመጠይቕ፡ ሀገራዊ ዋዕላ፡ ኩለን ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ካህናትን ዓበይቲ ዓድን ወዘተ…. ዝካፈልዎ ከም ዝኸውን ምግላጹ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ረኺበዮ፡፡ ወዲ ሰብ በተስፋ እዩ ዝነብር፡ ከምቲ ዝሃብዎ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ እዩ፡ እምባአር ተስፋ ኮይኑ ከይተርፍ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ዝፍጸም ግበሩ፡፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣባናን ከባቢናን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ዘሎ ናይ ውግእ ቅልውላው ንህዝብና ራዕዲ ፈጢሩሉ ኣሎ፡ ስለዚ ቅርሕንትን ህርፋን ስልጣንን ደምስስዎ፡ ሕድሪ ቅኑዕ ክትሓስቡ፡ ፈልልያትኩም ኣጽቢብኩም ስመሩ፡፡ ኪዳን ጉባኤኹም ኣብዚ ወርሒ ታሕሳስ ክተካይዱ ኢኹም ይስማዕ፡ ሕድርኹም ኪዳን ልብኹም ኣንጺሕኩም፡ ጉባኤኹም ኣካይዱ፡ መሰረታትኩምን ህዝብኹምን ዝሕጐሰሉ ዕዉት ጉባኤ ክገብረልኩም እምነየልኩም፡፡

     መሰረታት ናይ ኩለን ውድባት ንመሪሕነታትኩም፡ ቅርሕንቶምን ህርፋን ስልጣንን ወጊደን ጠርናፍን ኣድማዕን ሓያል ናይ ሓባር ግንባር ንኽኾና፡ ብርቱዕ ተጽዕኖ ክንገብረሎም ሕድሪ እብል፡፡ እቲ ጉድለት ንመሪሕነታት ጥራይ ምሃብ ገዲፍና፡ ንሕና መሰረታት ቀዳምነት ነቲ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ሕሉፍ ስቓይ ንምድሓን እንታይ ገርና፡፡ መሪሕነትኮ ንመሰረታተ ከይሓዘ መሪሕነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ንሕና መሰረታት ንዝመረጽናዮም መሪሕነት ንጉድለታቶም መሚና በቅንዕናን ትብዓትን ንኣርሞም፡ ነቲ እንደልዮ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ነገድዶም፡ ንንቀፎም፡፡ ልቢ ምዕባይን ዕርክነትን ሕውነትን ክንሕሉ ክንብል ነቲ ቃልሲ ነድክሞ ኣሎና፡፡ ኣዕሩኽትናን ፈተውትናን ስለ ዝኾኑ ዝፍጽምዎ ጌጋታት ብዐይንና እንዳረኤና ብእዝንና እንዳሰማዕና ከይብሉኒ ብምባል ኣፍና ክንሕዝ ከሎና ነዚ ዝካየድ ዘሎ ድኹም ቃልሲ መሊሰና ነድኩሞ ኣሎና፡ ጌጋ እንዳረኤኻ ሱቕ ምባል፡ ብሓሶት ምምስካር እዩሞ ሓጢኣት እዩ፡፡ ስለዚ ንሕና መሰረታት ሕልናና ንመርምር፡፡

     ኣቱም ኣብ ኪዳን ዘየለኹም ኣብ ክንዲ ሓምሻይ ሻዱሻይ ርእስኹም ኮንኩም ውድብ ኢና እንዳበልኩም ንህዝቢ እንዳኣደናገርኩም ንኣብ ኪዳን ዘለዋ ውድባት ክትሓምዩን ክትዘልፉን ንህዝቢ ተስፋ ዘቕርጽ ቃላት ብጽሑፍ ይኹን ብቓል ክትጥቀሙ ምውዓል፡ ነንሕድሕድኩም ተማኺርኩም እንተ ትጥርነፉ፡ ሓደ ሓያል ውድብ ምኾንኩም፡፡ እቲ ዘገርም መብዛሕትኹም ዝላዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጻሕኩም ኢኹም፡፡ ፋሕ ኣቢሉኩም ዘሎ ኣንነት፡ ኣነዶ ምስዚኦም ዝብል እዩ፡፡ ብዙሓት ከማኹም ሙሁራት ስድራበቶምን ናብርኦም ዛሕዚሖም ይቃለሱ ኣለዉ፡ ንስኻትኩም ካኣ ትሕትና ግዝኡ፡፡ እዚ ክሳብ ዘይገበርኩም ምሳርሒ ህግደፍ ኢኹም፡፡ ጌጋታት ናይ ውድባት ይኹን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ብኣገባብ ነቐፈታትኩምን ሃናጺ ሓሳባትኩምን ክተቕርቡ መሰልኩምን ሓላፍነትኩምን እዩ፡፡

      ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና

       ፍስሓጽዮን ደስታ

        03.12.06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2497

Posted by on Dec 3 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net