ኣንስቲ እሱራት ሕማቕ ናብራ ይሕልፋ ከምዘለዋ ተገሊጹ

GIC
07/12/06
 

ኣንስቲ እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣብ ስቱር ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ  ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ድሕሪ ማእሰርቲ ሰብ ኪዳንን ኣብ  ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከባ ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ።

  ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ እዘን ሰብኡተን ካብታ ዝእሰሩላ መዓልቲ ጀሚረን ደሃይ ዘይብለን ብናፍቖትን ካልእ  ማሕበራዊ ሽግራትን ዝሳቐያ ዘለዋ ዜጋታት ኣብ ርእሲ ደላታ ተቖርሞመታ ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ስርዓት  ጽኑዕ ምክትታል ከምዝግበረልን ወሲኹ ገሊጹ ። ሓይልታት ጸጥታ መጸናናዕቲ መሲሎም ከምዝስልይዎን ዝገለጸ እቲ ሓብሬታ ኣብ ዝሓልፈ ዓመት  በዓልቲ ቤት ብርጌድር ጀነራል እስቲፋኖስ  ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ማይተመናይ  ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲራ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣንስቲ እሱራት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተራኺበን ባዕለን ንባዕለን ከምዝጸናናዓን ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት እታ ዝተኣስሩላ መዓልቲ ብሓባር እሰንን ደቀንን ብምዃን ሽምዓ ወሊዐን ከምዝዝክርኦም እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ገሊጹ ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዝሓልለፈ 18 ,መስከረም ኣብ ሓደ ቦታ እሰንን ደቀንን ሽምዓ ወሊዐን ብጸሎት ክዝክርኦም ምውዓለን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ፣

ከምዝፍለጥ ብኢሰያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2001 ሃገር ሽይጦም ብዝብል ጠቐነ 11 ላዕለዎት ሚኒስተራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣመሓደርትን ዝርከብዎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዘእትዎም ስጋብ ሕጂ ሃለዋቶ ክፈልጥ ዝኸኣለ ኣካል የለን ። 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3129

Posted by on Dec 7 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net