ንኤርትራ ዝምለስ ስደተኛ ፈጺሙ

ክህሉ የብሉን !!

እወ

 

፡ ብዘይድሌቱ ንኤርትራ ዝምለስ ሰብ ክህሉ የብሉን፡ ኤርትራ ሎሚ ፍጡር ሰብ ኮይኑ ክነብረላ ዘይክእል፡ ኣብ ኣዝዩ ዘይተመጣጠን፡ ማሕበራዊ ፍትሕቲ ዘይብሉ ትሕቱን ጽንኩርን ናብራ፡ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ምልካዊ ምምሕዳር ብምህላዉ።

ዕለት 22 ጥሪ 2007

ቦታ ሽወደን

ፈነወ ተለቪዝዮን መስመር 4

ሲሲልያ ቫግነር፡  ኣቕራቢት ጛዜጠኛ

ብርጊታ ኦልሶን፡  ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ( ሊበራላዊ ሰልፊ)

ማደለይን ሰደሊትዝ፡ ወኪል ኣመንስት ኢንተርናሽዮናል ሽወደን

 ገርም፡ ጓኖት ብኤርትራውያን ክጣበቑን፡ ጸጊዒ ሽጉራትን ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዀኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኑ ዝርእዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን መዓልታዊ ተርእዮ ዜና ትረኸሉ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሃገር ሽወደን፡ እቲ መራኸቢ ብዙሓት ካናል 4 ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ከም ዝሓበሮ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት 2005/2006 ኣስታት 1200 ዝኸኑ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሽወደን ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ይርከቡ ኣለዉ ኢሉ። እዚ ብዘይካ’ቶም ብዝተፈላልየ ምኽንያት ብሕጋዊ መንገዲ ንሽወደን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ቁጽሪ ወጻኢ’ዩ።

እዞም ናይ ፖልቲካዊ ዑቕባ ዝሐተቱ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ገገለ ፍቃዶም ክረኽቡ እንከለዉ፡ ገገለ ከኣ ብዝተፈላልየ ምኽንያታት ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ዝርከቡን፡ ንኤርትራ ክምለሱ ዝርከብዎም እዮም።

እቶም ብመንግስቲ ሽወደን ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተቐባልነት ዘይረኸቡ፡ ንኤርትራ ክምለሱ ዝተባህሉ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት፡ ኤርትራ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ውሕስነት ናይ ምንባር ክህልዋ ከም ዘይክእል፡  ዝገለጻ፡ ብርጊታ ኦልሶን ኣባል ባይቶ ሽወደን ሊበራላዊ ሰልፊ ከም’ዚ ትብል ” ቀሪኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ መድረኽ ብኵናት፡ ሓድሕድ ኵናትን ትሕመስ ዘላ ክፍለ ዓለም ስለ ዝዀነ፡ ሚኒትሪ ወጻእተኛታት ብግቡእ ክፈልጦ ዘለዎን፡ ነዚ ናይ ምጥራዝ ውሳኔ ከኣ ብህጹጽ ጠጠው ከብሎ ካብ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዩ ክትብለ፡ ገሊጻ።”

ዋና ጸሓፊት ማደለይን ሰደሊትዝ  ኣመንስቲ ኢንተርናሽዮናል ሃገር ሽወደን ኣስዒባ፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ኣመልኪታ ኣብ ሰምዓቶ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ንዓዶም ኣብ ዝምለስሉ፡ እቲ ስርዓት ማለት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብማእሰርትን ግፍዕን፡ ስለ ዝቕበሎም፡ እዚ ግዜ እዚ ንኤርትራውያን ንዓዶም ክትመልሶም ዘይግባእን፡ ክግበር ዘይብሉ እዋን’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ሽወደን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ንኤርትራ ንምምላስ ተጠው ክብል ዘለዎ ተግባራት’ዩ ክትብል ቃል ሂባ ” ።

እወ ዓለም ብዓለሙ ብግፍዒ ህዝቢ ኤርትራ ይዛረብን፡ ኣብ ጎኒ እቶም ንግፍዕታት ህ.ግ.ዲ.ፍ እምቢ ዝበሉ ዜጋታት ብምዃን ይሰርሕን፡ ብዛዕባ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዛረብ ብዘለዎም ሙሉእን ጭቡጥን ሓበሬታት ኣፉ መሊኡ ክዛረብ ኣብ ዘይሰግኣሉ ደረጃ በጺሑ ይረከብ። እዚ ድማ ካብ’ቲ ብዝሰምዕዎን ብዝርእይዎ ተደጋጋሚ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ሰብኣዊ ግፍዕታት፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮ፡ ሓበሬታን፡ መጽናዕትን ምስ’ቲ ኣብ ባይቶ ዝርእይዎ ግፍዕታት፡ ተገፊዕና ዝብል ህዝቢ ኣብ ኣፈደገ ባይቶኦም ብዝገብሮ ዝተፈላልየ ጻዊዒትን ጥርዓንን ከም ዝዀነ፡ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ክኽሕድዎ ዘይክእሉን፡ ክመልስዎ ዘይክእሉን ዓብይ ኣህጉራዊ ፍሽለት ዘጓኖፍም ደረጃ በጺሖም ኣለዉ።

መደምደምታ

ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ መሓዙት ግፉዓት ህዝቢ ዘልዕልዎ ዘለዉ ሕቶታት፡ ካብ’ቲ ዓብይ መኽሰባት ሰማዒ ዝረኽበ ጥርዓናቱ ቆጺሩ፡ ቃልሱ ከሕይልን፡ ዳግማይ ኣብ ጎደናታት እንዳወጸ ነዚ ቃል ክህጥርን፡ ካብኡ ንላዕሊ ድምጺ ህዝቡ ክስማዕ ክጽዕርን ክቃለስን ይግባእ።

እዚ ብተደጋጋሚ ኣብ መራኸቢ ብዝሓት ሽወደን ብዝተፈላልየ መነግዲ ንህዝቢ ሽወደን ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታታት ቀሊል ብዘይምዃኑ፡ ንረብሓ ህዝብናን ሃገርና ክንቅይሮ ግዜ ይሓተና ኣሎ።

ሕጅስ ተግባራት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኩሉ ፈልጥዎ’ዩ፡ ብማለት ንቃልስታትካ ከተዛሕትልን፡ ተጋዲምካ ክትድቅስን ዘይግባኣሉ መድረኽ በጺሕና ኣሎና።

ደጊም ህዝቢ ተለዓል።

ሰላም ንኩሉ

24 ጥሪ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2624

Posted by on Jan 24 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net