Poetry

ዘበነ ነጽነት!

ጸሓይና በሪቓ እንተበልናስ

መሊሳባ ጸልመተት

ሕዝብና ዝተቓለሰ ንናጽነትነ ንሓርነትን

ውጺኢቱ እንተረኣኻስ ሓሳርን ባርነትን

ሕዝብና ዝተቓለሰ ንፍትሕን ዲሞክራስን

ኣብ ግብሪ እንተረኣኻስ ጭው ዝበለ ጭቖናን ምልክነትን

ሕዝብና ዝተቓለሰ ንሰላምን ርግኣትን

ኣብ ግብሪ እንተራኣኻስ ውግእን ህውከትን

ሕዝብና ዝተቓለሰ ክተክል ሕዝባዊ መንግስቲ

ብግብሪ እንተራኣኻስ 16 ዓመት ብሓይሎም ነገስቲ

ሕዝብና ዝተመነዮ ሰላም ክረክብ ኣብ ሃገሩን ምስ ጎረቤቱን

ብግብሪ እንተራኣኻ ሰላም ስኢኑ ኣብ ገዝኡን ማይ ቤቱን

ሕዝብና ዝተመነዮ ሽግሩ ክፈትሕ ሂን ሚሂን ብምብህሃል

ብግብሪ እንተራኣኻስ ገዲፍዎ ሰላም ምብህሃል

ሕዝብና ዝተመነዮ ስደት ከብቃዓሉ

ብግብሪ እንተረኣኻ ኩሉ ናብ ስደት ነቒሉ

መን ኢዩ ድኣ ናይዚ ኩሉ ሽግር ተሓታቲ

ነፍሲ ወከፍና !

ክንከውን ይግባእ ናይ ሕግን ፍትሕን ተቓለስቲ

ባዕላትና እንተዘይተቓሊሰና  ነይንረክብ ናይ መሰልና መጽዋቲ !!!

ኣብራሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት

24.1.2007

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top