ዘበነ ነጽነት!

ጸሓይና በሪቓ እንተበልናስ

መሊሳባ ጸልመተት

ሕዝብና ዝተቓለሰ ንናጽነትነ ንሓርነትን

ውጺኢቱ እንተረኣኻስ ሓሳርን ባርነትን

ሕዝብና ዝተቓለሰ ንፍትሕን ዲሞክራስን

ኣብ ግብሪ እንተረኣኻስ ጭው ዝበለ ጭቖናን ምልክነትን

ሕዝብና ዝተቓለሰ ንሰላምን ርግኣትን

ኣብ ግብሪ እንተራኣኻስ ውግእን ህውከትን

ሕዝብና ዝተቓለሰ ክተክል ሕዝባዊ መንግስቲ

ብግብሪ እንተራኣኻስ 16 ዓመት ብሓይሎም ነገስቲ

ሕዝብና ዝተመነዮ ሰላም ክረክብ ኣብ ሃገሩን ምስ ጎረቤቱን

ብግብሪ እንተራኣኻ ሰላም ስኢኑ ኣብ ገዝኡን ማይ ቤቱን

ሕዝብና ዝተመነዮ ሽግሩ ክፈትሕ ሂን ሚሂን ብምብህሃል

ብግብሪ እንተራኣኻስ ገዲፍዎ ሰላም ምብህሃል

ሕዝብና ዝተመነዮ ስደት ከብቃዓሉ

ብግብሪ እንተረኣኻ ኩሉ ናብ ስደት ነቒሉ

መን ኢዩ ድኣ ናይዚ ኩሉ ሽግር ተሓታቲ

ነፍሲ ወከፍና !

ክንከውን ይግባእ ናይ ሕግን ፍትሕን ተቓለስቲ

ባዕላትና እንተዘይተቓሊሰና  ነይንረክብ ናይ መሰልና መጽዋቲ !!!

ኣብራሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት

24.1.2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3576

Posted by on Jan 24 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net