ሃሩን፡- ኤዲኪ ሃገራዊ ጽላል እዩ፡ ሓድነት ግንባር ድሕነት ንድግፍ

ጋልፍ ኢፎርሜሽን ሰንተር
ጥቅምቲ 01, 2005
ካርቱም

 

ኣቶ ኢብራሂም ሃሩን ኣቦወንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማኣከላይ መሪሕነት ኤዲኪ  ድሕሪ ምስታፍ ንኣዲስ ኣበባ ኣብዛተወሉ ግዜ ንጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሰ) ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ኣኼባ ታሪኻዊ ኮይኑ ንመስርሕ ኤዲኪ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝሕግዝ ሓይሊ እዩ ድሕሪ ምባል ኤዲኪ ዝሓሸ ሃገራዊ ጽላል ኮይኑ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽዕረሉ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ለውጢን ምእላይ ዲክታተራዊ ስርዓትን ዘኽእል እዩ ኢሉ።እቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣብቲ ኣኼባ ዝተወስደ ሓላፍነታዊ ኣዩ ኔሩ ብምባል ነቲ ኣብ መስርሕ ኤዲኪ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ደገፉ ገሊጹ።ኣቶ ኢብራሂም ውድቡ ምስ ኩላተን ተቓወንምቲ ውድባት ኤርትራ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎ እዩ ብምባል ምስ ኩለን ሓቢሩ ንምእላይ ዲክታተራዊ ስርዓት ክቃለስ ምኻኑ ኣብሪሁ።ኤዲኪ ሓደ ስሙር ዜናዊን ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ስርሓት ኣብ ምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ኣመልኪቱ ንኩላተን ኣገደስቲ ኣካላት ናይተን ተቕወምቲ ውድባት ናይ ምጽንባር ትጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።ኣብ መስርሕ ምእላይ እቲ ስርዓት ኩሉ ኣማራጺታት ክፉት ምኻኑ ኣብሪሁ።ኣቶ ሃሩን ንህዝቢ ኤርትራን ንኩላተን ሃገራውያን ሓይልታትን ጻዕርታቶምን ሓድነቶምን ኣደልዲሎም ንምግጣም እቲ ስርዓት ሓይሎም ካደልድሉ ጸዊዑ።

ኣቶ ኢብራሂም ሃሩን ብዛዕባ ርክባት ውድቡ ምስ ግንባር ድሕነትን መርገጺኦም ካብ ሱልሳዊ ሓድነትን ክዛረብ ከሎ ውድቡ ኣብ ምምስራት ግንባር ድሕነት ኣብ 2004 ዓ.ም ከምዝተሳተፈት ኣብሪሁ።እተን ሰለስተ ውድባት ሓድነታዊ ምጽንባር ክእውጃ ከለዋ ውድቡ ፍሉይነቱ ብምሕላው ነቲ ውድብ ኣፍሪስካ ኣብ ናይ ሓድነታዊ ምጽንባር ማእታው ምሉእ ብሙሉእ ተዳልዩ ብዘይምንባሩ ከምኡውን እቲ መሪሕነት ንምፍራስ እቲ ውድብ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ኣብሪሁ።ንሱ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት እተንሰለስተ ውድባት ከምዝድግፍ ብምብራህ ሓደ ሃገራዊ ዓወት ኣብ ምጉዳል ብዝሒ ውድባትን ምጽንባር ተቐራረብቲ ውድባትን እዩ ኢሉ።ንሱ ምስ መሪሕነት እተን ሰለስተ ውድባት ርክባት ብምክያድ እቲ ዝነበረ ሓደ ሓደ ዘይምርድዳእ ከምዝሰገርዎ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ሃሩን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ መግለጺታት ኣመልኪቱ ኣብቲ ውድብ ምፍንጫላት ከምዘየለ ብምብራህ ምስኩለን መራሕቲ እቲ ውድብ ርክባት ከምዘካየደን ኩላቶም ድማ ሕጋውነት ናይቲ ውድብ ደው ንኽብሉ ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።ንሱ ነቲ ዝተራእየ ፍልልያት ንምፍታሕ ጻውዒት ብምቕራብ ኣቲ ፍልልያት ውድባዊ ኮይኑ እቲ ውድብ ክልተ ኣባላት ከምዘደስከለ ኣፍሊጡ።ንሱ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጉባኤ ንምክያድ ድልዉነቱ ንምርግጋጽ ዝኾነ ኣባል ኣብቲ ጉባኤ ርእይትኡ ንክገልጽ መሰል ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2727

Posted by on Oct 1 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net