ስርዓት ኣስመራ ካብ ጸገማቱ ንምውጻእ ርክባቱ ንምምሕያሽ ድልውነቱ ይገልጽ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ግንቦት 02, 2005  
ካርቱም  

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ስርዓት ኣስመራ ተቐባልነቱ ንምርካብ ምስ ፕረስደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ስነ ኣብ ግብጺ ንምርኻብ ድልውነቱ ገልጹ። እዚ ድማ ፕረስደንት ኢሰያስ ምስ ዶክተር ጆን ጋራንግ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣፍሊጡ ክብላ እሙናት ምንጭታት ንጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ሓቢረን።ብመሰረት እቲ ምንጪ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝግበር ርክብ ብጻዕርታት ፕረስደንት ግብጺ ደልውነቱ ኣፍልጡ ኣሎ።ድሕሪ ርክብ ፕረስደንት ኢስያስን ፕረስደንት በሽርን፡ ዶክተር ጆን ጋራንግን ኣቦ መንበር ኪዳን ተቓወምቲ ሱዳን መርቐኒን ብመንገዲ ፕረስደንት ሑስኒ ሙባረኽ ሽግር ሱዳን መዕለቢ ንምግባር ክራኸቡ ምዃኖም እተን ምንጭታት ሓቢሮም።ርክብ ፕረስደንት ኢስያስን ፕረስደንት በሽርን ከም ሓደ ዓወት ንዶክተር ጆን ጋራንግ እቲ ንምዕዋት ስምምዕ ሙሻኩስ ዝጽዕር ዘሎ እዩ፡ ስለምንታይ ድሕሪ ምፍራም እዚ ስምምዕ ኣስመራ ሓድሽ ግንባር ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ሱዳን ብምፍጣራ ስምምዕ ሙሽኩስ ንከይትግበር ትዕንቕፍ ብምህላዋ።ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምትሕግጋዝን ምምዕባልን ኖርወይ ነቲ ዶክተር ጆን ጋራንግ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕርታት ንምርኻብ ፕረስድንት ኢሰያስን ፕረስደንት በሽርን ዓብይ ተራ ከምተጻወተት እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።ሚኒስተር ሄልዳ ጆንሰን ቕድሚ ምስ ዶከተር ጆን ጋራንግ  ከምእውን ምስ ተቓወምቲ ሱዳን ምርኻባ ምስ ፕረስደንት ኢሰያስ ከምተራኸበት ካብቲ ዜና ተፈሊጡ ኣሎ።ብመሰረት እዚ ኖርወይ ኣብ ርክብ ግብጺ ከም ተዓዛቢት ኮይና ከትሳተፍ ምዃና ክፍለጥ ተኻኢሉ።ኣብ ልዕሊ እዚ ፕረስደንት ኢሰያስ ምስ ጠቕላይ ሚኒስተር መለስን ፕረስደንት ዑመር ኣልበሽርን ብመንጎኝነት የመንን ግብጽን ንምርኻብ ድልውነቱ ኣፍልጡ ኣሎ።

ተዓዘብቲ፡ ፕረስደንት ኢሰያስ ነዚ ድልውነት ዝገልጽ ዘሎ ካብቲ ዝጋጠሞ ዞባዊ ተነጽሎ ንምውጻእ ምዃኑ ይገልጹ።እዚ ሃንደበታዊ ለውጢ ኣብ መርገጺ ስርዓት ኣስመራ፡ ኤርትራ ብፖለቲካውን ቁጠባውን ትሰቐየሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ።ዞባውን ዓለምለኻውን ጸቕጥታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብፍላይ  ምሽክዕላል እተርእዮ ዘላ ኣብ ጉዳይ ሱዳን መጠንቐቕታ ካብ ኣሜርካን ኤውረጳዊ ሕብረትን ክምዝተዋሃባ እቲ ዜና ይሕብር።እዚ ድሕሪ ምትእትታው ዓቓቢ ሰላም ውድቡ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ኣብ ምብራቕን ደቡቡን ሱዳን እዩ።ከምዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ፕረስደንት ኢሰያስን ፕረስደንት ኣልበሽርን ዝተገበረ ጻዕርታት ከምዘይተዓወተ ይፍለጥ።

ኣብዚ ርክብ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ተዓዘብቲ ስክፍተኦም ይገልጹ።ቐንዲ ናይዚ ስክፍታ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ ክሊቴአን ሃገራት ዝተራኣየ ዘምትእምማን ማለት ስርዓት ኣስመራን ንስርዓት ሱዳን ንምውዳቕ መርገጺኡ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን እዩ።መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ርክብ ድልውነቱ የፍልጥ እምበር ካብ መዳለዊ ግዜ ንምኽሳብ ሓሊፉ ውጽኢት ከምዘይህልዎ እቶም ተዓዘብቲ ይገልጹ።ከም ተመክሮ ሱዳን ድማ ኣብ 1997 ብስርዓት ኣስመራ ዝተኸፈተ ግንባር ኣብ ምብራቕ ሱዳን ፤ ኣብ 2000 ንከተማ ከሰላ ምውራርን ብምዕራብ ሱዳን ሓድሽ ግንባር ምኽፋትምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝግበር ርክብ ብስክፍታት ዝተኸበ እዩ ይብሉ።

 

ምስ እዚ ዝተኣሳሰር ዜና ኣስመራ ካብ ተነጽሎ ንምውጻእ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ንርካብ ካይሮ ድልወነታ ኣብ ዝገለጸትሉ ግዜ ብሕታዊት ጋዜጣ ኢትዮጵያ ቱሪቢዮን ኣብ ሚያዝያ 28, 2005 ሕታማ ኣብ ዝውጻቶ፡ እቲ እንኮ ምርጫ ፕረስደንት ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ኩናት ምእታው እዩ ክታብል ኣስፊራ።እታ ጋዜጣ ከምዝብራሃቶ ኢሰያስ ምስ ጎረቤቱ ኢትዮጵያ ብሰላም ምንባር ተስፋ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኢሰያስ ኣብቲ ዘይሰላምን ዘይውግእን ፈጢርዎ ዘሎ ኩነታት፡ ውግእ ብምእዋጅ ዝኸስሮ ነገር ከምዘይብሉን ኣብ ልዕሊ ህዝቡን ሃገሩን ዘይግደስን ሰብ እዩ ክትብል እታ ጋዜጣ ገሊጻቶ።ብተወሳኺ እቲ ስርዓት ካብ ጸገማቱ ንምውጻእ ውግእ ከም ናይ መጨረሻ ምርጫ ወሲዱ ኣሎ ድሕሪ ምባል ውግእ ይላዓል ኣይልዓል ኢሰያስ ክኸይድ ምዃኑ ገሊጻ።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2741

Posted by on May 2 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net