News

ኢትዮጵያ ካብ ስርዓት ኣስመር ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያት እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ትቕበል

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ግንቦት 02, 2005  
ካርቱም  

ቁጽሪ ናይቶም ካብ ስርዓት ኣስመራ ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብዓን ሓሙሽተን ኤርትራዊያን ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ናብ መደበር ማዕስከራት ዋዕላ ንህቢ ከምዝኣተዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።እዚ ቁጽሪ ካብቲ ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝልዓለ  ምዃኑ እቲ ዜና ወሲኹ።ከምዝፍለጥ እቲ ዝዓበይ ቁጽሪ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሱዳን ገጹ ይውሕዝ ነይሩ።ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ኣስታት 8,900 ከምዝበጸሐ እቲ ዜና ይሕብር።ማዕስከር ስደተኛታት ዋዕላ ንህቢ ድሕሪ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸፈተ ምዃኑ ይፍለጥ።እዚ ማዓስከር ብኮሚሽን ርዳኤት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ኮይኑ ዓሰርተታት ኤርትራዊያን ናብ ኣሜሪካ፤ ካናዳን ኣውስትራሊያን ከምዝጋዓዙን፤ ካልኦት ኣማኢት ድማ ናብ ሱዳን ከምዝኣተውን ገሊኦም ድማ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝብጸሓን ዜና ሓቢሩ።ኣብ መውዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመትን መጀመሪያ ናይዚ ዓመትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውዳብ ኩናታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓድሽ ሕጊ ኣብ ዘውጾ፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዝሓዙን ናይ ካልኦት ሃገራት ፓስፖርት ዝሓዙ ኤርትራዊያን ክኣትዉ ዘፍቓድ ሕጊ ዓብይ እፎይታ ንኤርትራዊያን ዝገብረ ምዃኑ ይፍለጥ።እንተኾነ ግን ማዕስከራት ስደተኛታት መርኣያ ጸገማት ኤርትራዊያን ምዃነን ይፍለጥ።ብፍላይ ኣብቲ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ሰደተኛታት ኤርትራዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ፍልልታት ኣብ ዘርእየሉ ግዜ።

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top