ኢትዮጵያ ካብ ስርዓት ኣስመር ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያት እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ትቕበል

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ግንቦት 02, 2005  
ካርቱም  

ቁጽሪ ናይቶም ካብ ስርዓት ኣስመራ ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብዓን ሓሙሽተን ኤርትራዊያን ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ናብ መደበር ማዕስከራት ዋዕላ ንህቢ ከምዝኣተዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።እዚ ቁጽሪ ካብቲ ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝልዓለ  ምዃኑ እቲ ዜና ወሲኹ።ከምዝፍለጥ እቲ ዝዓበይ ቁጽሪ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሱዳን ገጹ ይውሕዝ ነይሩ።ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ኣስታት 8,900 ከምዝበጸሐ እቲ ዜና ይሕብር።ማዕስከር ስደተኛታት ዋዕላ ንህቢ ድሕሪ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸፈተ ምዃኑ ይፍለጥ።እዚ ማዓስከር ብኮሚሽን ርዳኤት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ኮይኑ ዓሰርተታት ኤርትራዊያን ናብ ኣሜሪካ፤ ካናዳን ኣውስትራሊያን ከምዝጋዓዙን፤ ካልኦት ኣማኢት ድማ ናብ ሱዳን ከምዝኣተውን ገሊኦም ድማ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝብጸሓን ዜና ሓቢሩ።ኣብ መውዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመትን መጀመሪያ ናይዚ ዓመትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውዳብ ኩናታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓድሽ ሕጊ ኣብ ዘውጾ፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዝሓዙን ናይ ካልኦት ሃገራት ፓስፖርት ዝሓዙ ኤርትራዊያን ክኣትዉ ዘፍቓድ ሕጊ ዓብይ እፎይታ ንኤርትራዊያን ዝገብረ ምዃኑ ይፍለጥ።እንተኾነ ግን ማዕስከራት ስደተኛታት መርኣያ ጸገማት ኤርትራዊያን ምዃነን ይፍለጥ።ብፍላይ ኣብቲ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ሰደተኛታት ኤርትራዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ፍልልታት ኣብ ዘርእየሉ ግዜ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2745

Posted by on May 2 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net