ምድልዋት ን4ይ ጉባኤ ሰዲግ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ግንቦት 03, 2005  
ካርቱም  

ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰዲግ) መበል 4ይ ጉባየኡ ግንቦት 20, 2005 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ እዩ።ነዚ ንሳልሳይ ግዚኡ ዝተደናጎየ ጉባኤ ሙሉእ ምድላዋት ገይሩ።እቲ ቐንዲ ምኽንያት ምድንጓይ፡ ሓልፍቲ ናይቲ ውድብ ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ይሳተፉ ምንባሮም እቲ ዝበጸሓና ዜና ሓቢሩ።ነዚ ጉባኤ ካብ ዓበይቲ ብደሆታት ዝጽበይዎ ዘለዉ፡ ተኽእሎ  ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ኣብ ምክታል፤ ነዚ ዘለናዮ ሃገራዊን ዓለማዊን ድሌታት ምምላእ፤ ንዝበዘሐ ፖለቲካውን ሃገራውን ውድባት ምቕናስን ምስፋሕ ዕድላት ዘተን፤ ፖለቲካውን ሃገራውን ሓድነት ኣብ መንጎ ውድባት ንርግኡ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ኣብ ኤርትራ ንምፍጣር ምዃኑ እቲ ዜና ይሕብር። ኣዳላዊት ኮሚቴ ናይዚ ጉባኤ ናይ ዕድመ መልእኽትታት ንመርሓቲ ሃገራዊያን ውድባትን ንሃገራት ምትሕግጋዝ ሰንዓ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ንኽሳተፉ ከምዝኣኸት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ስምረት ዲሞክራሲያዊ ምንቕስቓስን ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ህዝብታት ኤርትራ ከዝኾነት ይፍለጥ።ኣብ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝነበረ ልዓልን ትሓትን ከም ዝሓለፈት ይፍልርጥ።ስለቲ ክፉት ፖለቲካዊ ፖሊስታት ኣብተን ዝሓለፋ ሰለስተ ጉባኤታት ዘርኣየቶ ካብ ንጹሉነት ናብ ሰፈሐቲ ዝምድናታት ክትገብር ኣኽኢልዋ እዩ።ሰዲግ ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ምሕዝነት ካብ 1999 ዝጀመረ፤ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ምምስራት ግንባር ድሕነት ዓብይ ተራ ነይሩዋ።ከምዝፍለጥ ኣቦ መንበር ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ላዕለዋይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን  ተመሪጹ ብምህላዉ  ናይ ኤዲኪ ስራሕ ኣብ ወጻኢ ትተሓበር ምህላዋ ይፍለጥ።ንኣብነት ወኪል ኪዳን ኣቶ ረዘነ ኣብ ዋሽንግቶ ዲሲ ዘሎ ካብቶም ንጡፋት ካድረታት ሰዲግ ሓደ እዩ።ንሱ ኣብዚ 4ይ ጉባኤ ክሳተፍ ምዃኑ እቲ ዜና ይሕብር።ከምእውን እቲ ፍሉጥ መራሒ ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽ ኣብዚ ጉባኤ ንምስታፍ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኣዲስ ኣብባ ኣትዩ ኣሎ።ኣብ ልዕሊ እዚ ዓሰርተታ ካድረታት እቲ ውድብ ኣብዚ ጉባኤ ንምስታፍ ካብ ኤውሮፓ፤ ኣሜሪካ፤ ካናዳ፤ ኣውስትራሊያን ሃገራት ዓዕራብን ናብ ኢትዮጵያ ይመጹ ምህላዎም እቲ ዜና ይሕብር።

      ከምዝዝከር እቲ ውድብ ኣብ ቐዳማይ ሓድነታው ጉባኤ ሚስጥራዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ መጋቢት 5-8 1997 ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸጥታዊ ኩናታት ከምዘካየደ ይፍለጥ። ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ናይቲ ውድብ ካብ ሱዳን፤ ኢትዮጵያን ሱዑድን ተሳቲፎም። ካብ ማርኪሲሳዊ ኣተሓሳስባ ዝመንጨወ ብዲክታቶራዊ ሰርሓተኛታትን ሓረስቶትን ዝምራሕ ናብ ብሰውራዊ ፕሮግራም ዝምራሕ ንምቛም ዓሰርተ ሽውዓተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ከምዝተመረጸት ይፍለጥ።

ኣብቲ ካብ ጥቅምቲ 30-ሕዳር 08 1999 ዝተኻየደ 2ይ ጉባኤ ድማ ኣብቲ ቐዳማይ ጉባኤ ኣተኣታቲዎ ዝነበረ ፕሮግራም ምትዕርራያ ገይሩ።ኣብቲ ዝተገበረ ምትዕርራያት ዲሞራሲያዊ ስርዓት ኣብ ብዙሕነት ሰልፍታት ዝተሞርኮሰ ንምቛም ካብቲ ዝተገበሩ ናይ ኣረኣያ ምምሕያሽ እዩ።ኣብዚ ዓሰርተ ሓደ ዝኣባላታ ማእኽላይ ኮሚቴ ዝተመረጸትሉ ጉባኤ፡ ወከልቲ ናይቲ ውድብ ካብ ሱዳን፤ ኢትዮጵያ፤ ጀርመንን ካናዳን ተሳቲፎም።

ሳልሳይ ጉባኤ ሰዲግ ካብ ሚያዝያ 27 ክሳብ ግንቦት 01 2002 ኣብ ከተማ ዓድዋ ተኻይዱ።ኣብዚ ጉባኤ ነቲ ኣብ ካልኣይ ጉብኤ ዝተገበር ምምሕያሽ ብምግባር ሓድሽ ፖለቲካዊ ጽገና ዝተረእየሉ ነይሩ።ኣብቲ ዝተገብረ ለውጥታት ኣብ ኤርትራ ክህልው ዝኽእል ስርዓት ቕዋማዊ ፌደራላዊ ክኸውን ዝብል ኣራእያ ሒዞም ተበጊሶም።እዚ ቕዋማዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ብዙሕነት ሰልፍታት ዝተምርኮሰ ኮይኑ ሃብትን ስልጣንን ህዝብታት ኤርትራ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ክመቓራሕ ዝብል ነይሩ።ንቛንቛታት ትግርኛን ዓረብን ከም ዕላውያን ቛንቛታት ኤርትራ ምዃነን ኣስሚሩ።ኣብዚ ጉባኤ ዓሰርተ ሰለስተ ዝኣባላታ ማእኸላይ ኮሚቴ ን ሰለስተ ተጠባብቕትን ተመሪጾም።

      ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ 4ይ ጉባኤ ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ (ሰዲግ) ዓበይቲ ምዕባለታት ኣብ ኣካይዳ ናይዚ ውድብ፤ ኣብ ዝምድናታቱ ሃገራዊ መስመር ዝሓዘን ሃገራዊ ሓድነት ዘለዎን ኣራእያ ንምፍጣር ትጽቢት ይግበር።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2749

Posted by on May 3 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net