ባይቶ ጸጥታ ው.ሕ.ሃን ሕብረት ኣፍርቃን ብሱዳን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ንዝቐረበ ክሲ ዘትዮም

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር  

ሰነ 07, 2005

ሰረት,ካርቱም  

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ሰረት ሊቢያ ኣብ ዝነተገረ ኣኼባ ሕብረት ኣፍርቃ፡ ሱዳን ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ክሲ ኣቕሪባ ክብል ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ክሲ ብጽሑፍ ንኣኬበኛታት ዘርጊሑ።እቶም ኣኼበኛታት ንተግባራት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ዘሎ ዘይምርግጋእ ሓላፍነተ ብምስካም፡ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ምትእትታው ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንኽኩነን ጸዊዑ።እቶም ኣኼበኛታት ነቲ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ ድሕሪ ምዝታይ፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እትገበሮ ዘሎ ምትእትታው  ኮኒኖም።

ሃገራት ዓረብን ምዕራብ ኣፍርቃ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃን ክም’ውን ካብ ሃገራት ማኸላይን ምብራቕን ኣፍርቃ ነቲ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ሙሉእ ደገፈን  ገሊጸን።እቲ ሕብረት ነቲ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ ኣብ ኣኼባ ቕወምቲ ልኡኻት ናይቲ ሕብረት ተዘትይሉ ከምዝነበረ ብድሕሪ’ውን ናብ ባይቶ ሚኒስተራት ከምዝተመሓላልፈ፡ ባይቶ ሚኒስትራት’ውን ነቲ ጉዳይ ርእዩ ናብ ላዕለዋይ ኣኼባ ከመሓላልፎ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍርቃ ንኹሎም ኣባላቱ፡ ንመስርሕ ሰላም ሱዳን ክድግፉ ጻዎዒት ድሕሪ ምግባር ካብ ዝኾነ ይኹን ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ከምቲ ብኤርትራ ዝግበር ዘሎ ንኽቁጠቡ ጸዊዑ።

ስርዓት ኤርትራ ኣምባሳደሩ ካብ ሕብረት ኣፍርቃ ከምዝሳሓበ፡ ነቲ ሕብረት ድማ ንምፍሽል ሰላም ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፍነት ብምስካም ከም ዝነቐፈ ይዝከር።

ኣገዳሲ ምዕባለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ወጥሪ፡ ወኪል ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ ኣብ ስርሒታት ዓቓቢ ሰላም ሚስተር ኣንጊኖ ብይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣስመራ በቲ ዝገበሮ ዘሎ ምትእትታው ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ግብራዊ ስጉምቲ  ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ሱዳን ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣስመራ ከምዝረኸበት ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣብዘን ዝሕለፈ ክልተ መዓልታት ባይቶ ጽጥታ ንምዝታይ ክሲ ሱዳን ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝገብሮ ዘሎ ምእትታው፡ ነቲ ንዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምርግጋእ ሰላም ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሱዳን ከፍሽሎ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ፕረስደንት ባይቶ ጸጥታ ንኽሲ ሱዳን ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ንኹሎም ኣባላቱ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ መብዛሃቶም ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ድሕሪ ምኩናን፡ ዓብይ ስግኣት ኣብ ስላም ከምዝፈጥር ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ኣብ ው.ሕ.ሃ ሓቢሮም።

ዘተ ብዛዕባ ክሲ ሱዳን ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣኼባ እዩ ጀሚሩ።ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ኣፍርቃን ነቲ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ ደገፈን ገሊጸን።

 

 

  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2757

Posted by on Jul 7 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net