መበል 14 ባዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ካርቱም ብድምቐት ተባዒሉ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ካርቱም  
ግንቦት 28, 2005  

ትማሊ ግንቦት 27, 2005 ብዲሞክራሲያዊ ኤርትራዊ ኪዳን(ኤዲኪ) ዝተወደበ መበል 14 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሳሓ ሽዕብያ ካርቱም ብድምቐት ተባዒሉ።ኣብቲ ኣጋጣሚ ላዐለዎት ሰበ-ስልጣናት ኤዲኪ፤ሓለፍትን ወከልትን ዝተፈላለያ ወድባት ኤርትራ፤ወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ካርቱም ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 3,000 ህዝቢ ተሳቲፎም።

ኣቶ መንግስተኣኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ከፍሊ ዜና ኤዲኪ ንኣቦመንበር ፈጻሚት ሽማግለ ብምውካል ቃል ኣስሚዑ።ኣቶ መንግስታኣብ  ኣብ ዘስመዖ ቃል ውለዶታት ኤርትራ ናጽነት ኤርትራ ክውን ንምግባር ደሞምን ራህጾምን ከምዘፈሉ ብምዝክካር ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣስመራ ትርጉም ናጽነት ቆጽዩን ኣህሲሱን ኣብ ኤርትራ ዋላውን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊያን ገዛእቲ መወዳድርቲ ዘይተረኸቦ ስቅያትን መከራን ከምዝወረደ ኣገንዚቡ።ንሱ ብምቕጻል ስርዓት ኣስመራ ንዋት ኤርትራ ንምምሕያሽ መንባብሮ ህዝቢ ኣብ ምኽፋት ትካላት ኣክንዲ ምውዓል ኣብ መሽመቲ ናይ ውግእ መሳሪያታትን ኣብ መደልደሊ ጸጥታዊ ትካላት ከምዘውዓሎ ኣስሚርሉ።ማእለያ ዘይብሎም ገበናት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰል ኣጋጣሚታት ክዝርዘሩ ከምዘይካኣሉ ብምጥቓስ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ናጽነትና ዝኾኑ ምሁራትን ተጋደልትን ንውልቃዊ ድሌቱ ንምርዋይ ናይ ምቅንጻል ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ኣቶ መንግስተኣብ ዘርዚሩ።ኣቶ መንግስተኣብ ዲሞክራሲያዊ ኤርትራዊ ኪዳን ነቲ ትርጉምን ትሕዝቶን ናጽነትና ዘህሰሰ ንህዝብና ናብ ሕንፍሽፍሽ ዘምረሖ ዘሎ ናይ ምምቕቓል ፖሊስታቱ ይኩንኖ ድሕሪ ምባል ንሃገርና ካብቲ ድሮ ተጋሒዱ ዘሎ ንህዝቢ ክጋሃድ ዝኽእል ሓደጋታት ንምድሓን ንሃናጺ ሰለማዊ ልዝብ ጸዊዑ።ኣብ መወዳእት ህዝቢ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ስርዓት ኣስመራ ንሓይልታት ራዕድን ሽበራን ምውጋእ ብዝብል ሽፋን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊያን ሓይልታት ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ መንግስታዊ ሽበራ ንማሕበርሰብ ዓለም ዕሽሽ ከይብልዎ ድሕሪ ምምሕጻን  ኤዲኪ ዝካየዶ ዘሎ ቃልሲ ብስርዓት ኢሰያስ ዝተጋህሰ መሰላቱ ንምምንዛዕ ፍታሓዊ ቃልሲ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ክግንዘቦ ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ጽንብል ካብ ስዓት 7.00 ምሽት ክሳብ ሰዓት 1.00 ዝቐጸለ ኮይኑ ጉጅለታት ባህሊ ስታር፤ኣዳልን ሰላምን ነቲ ባዓል ደምቕት ሂበነኦ።ኣብ መንጎ ሃገራዊያን ግጥምታት ብኩለን ቛንቛታት ኤርትራ ተነቢቦም።እዚ ጽንብ ናጽነት ድሕሪ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያ ኪዳን ማለት ኩለን ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ንምቕላስ ኣብ ሓደ ድሕሪ ምስማረን ንመጀመርታ ግዜ ዝባዓል ዘሎ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2895

Posted by on May 28 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net