ካፌርሶላና ወጻኢ ጉዳያት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኤርትራ ነቒፉ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ካርቱም  
ግንቦት 29, 2005  

 

ወጻኢ ጉዳያት ፖለቲካዊ ኣዋሃሃዲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ካፌርሶላና ኤርትራ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት(ው.ሕ.ሃ) ሚስተር ኮፊ ኣናን ንሚስተር ልዮድ ኤክሶርሲ ዘይምቕባላ ወቒሱ።ንፍሽለት ነቲ ጻዕርታት ው.ሕ.ሃ ንምፍታሕ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ኣሰኪሙ።ንሱ ምስ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትሕተም ኣብ ዝሃቦ መግላጺ፡ እቲ ልኡኽ ምስ ኤርትራዊያን ሰበ ስልጣን ክራኸብ ብዘይምኻኣሉ ቐንዲ ዓንቒፉ ንመስርሕ ሰላም ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።ካብቲ ዘይሰላምን ውግእን መርጋጺ ንምውጻእ ኤርትራ ነቲ ልኡኽ ክበጽሕ ከተፍቕድ ነይርዋ ድሕሪ ምባል ኤርትራ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብን ኣረእያን ንፍልልያት ንምስጋር ክትሰምዕ ነይሩዋ ኢሉ።ምንጻግ እቲ ልኡኽ ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥሪ ቕንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣብሪሁ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2905

Posted by on May 29 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net