News

ካፌርሶላና ወጻኢ ጉዳያት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኤርትራ ነቒፉ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ካርቱም  
ግንቦት 29, 2005  

 

ወጻኢ ጉዳያት ፖለቲካዊ ኣዋሃሃዲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ካፌርሶላና ኤርትራ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት(ው.ሕ.ሃ) ሚስተር ኮፊ ኣናን ንሚስተር ልዮድ ኤክሶርሲ ዘይምቕባላ ወቒሱ።ንፍሽለት ነቲ ጻዕርታት ው.ሕ.ሃ ንምፍታሕ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ኣሰኪሙ።ንሱ ምስ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትሕተም ኣብ ዝሃቦ መግላጺ፡ እቲ ልኡኽ ምስ ኤርትራዊያን ሰበ ስልጣን ክራኸብ ብዘይምኻኣሉ ቐንዲ ዓንቒፉ ንመስርሕ ሰላም ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።ካብቲ ዘይሰላምን ውግእን መርጋጺ ንምውጻእ ኤርትራ ነቲ ልኡኽ ክበጽሕ ከተፍቕድ ነይርዋ ድሕሪ ምባል ኤርትራ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብን ኣረእያን ንፍልልያት ንምስጋር ክትሰምዕ ነይሩዋ ኢሉ።ምንጻግ እቲ ልኡኽ ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥሪ ቕንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣብሪሁ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top