News

ክልተ ሓለፍቲ ወተሃደራት ኤርትራ ሄሊኮፕተር ሒዞም ኣብ ስዑድያ ዑቕባ ሓቲቶም ።

ኣልወጠኒ ዝተባህለት ጋዜጣ ሱዕዲ ዓረብ ከምዝሓበረቶ  ተለንቲ ዝመዓርጎም ፓይለትን ተሓጋጋዚኡን ክልተ  ሓለፍቲ ወተሃደራት ኤርትራ M-17 ዝዓይነታ ስርሓት ሩስያ ዝኾነት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሒዞም ጥቓ ወደባዊት ከተማ ጂዛን ብምውራድ ኣብታ ሃገር  ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ።

እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ከባቢ እቲ ከተማ ድሕሪ ምዛር መዕረፊ ስለዘይረኸበት ካብ ከተማ ውጺኣ ምስ ዓለበት ፣ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ናብ ፖሊስ ሓቢሮም ። ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብወገኑ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቶም ፓይሎታት ዘድሊ ሰብኣዊ ምትሕግጋዝ ብምግባር ዝርዝር ኩነታቶም ንምፍላጥ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ  ከምዝተላእኩ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ ።

 ብተወሳኺ ኣብዚ ሕጂ እዋን  እቶም ፓይሎታት ኣብ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዝርከቡን እታ ሄሊኮፕተርውን ብዘይ ዝኾነ ሓደጋ ከምዝወረደትን ካብ ሚኒስርቲ ምክልኻል ናይታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ ።

 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ካብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንስርዓት ኢሰያስ ብምቅዋም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ ብፍላይ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ካብ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብተኸተታሊ ክሰግሩ ጸኒሖም እዮም ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top