ክልተ ሓለፍቲ ወተሃደራት ኤርትራ ሄሊኮፕተር ሒዞም ኣብ ስዑድያ ዑቕባ ሓቲቶም ።

ኣልወጠኒ ዝተባህለት ጋዜጣ ሱዕዲ ዓረብ ከምዝሓበረቶ  ተለንቲ ዝመዓርጎም ፓይለትን ተሓጋጋዚኡን ክልተ  ሓለፍቲ ወተሃደራት ኤርትራ M-17 ዝዓይነታ ስርሓት ሩስያ ዝኾነት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሒዞም ጥቓ ወደባዊት ከተማ ጂዛን ብምውራድ ኣብታ ሃገር  ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ።

እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ከባቢ እቲ ከተማ ድሕሪ ምዛር መዕረፊ ስለዘይረኸበት ካብ ከተማ ውጺኣ ምስ ዓለበት ፣ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ናብ ፖሊስ ሓቢሮም ። ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብወገኑ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቶም ፓይሎታት ዘድሊ ሰብኣዊ ምትሕግጋዝ ብምግባር ዝርዝር ኩነታቶም ንምፍላጥ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ  ከምዝተላእኩ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ ።

 ብተወሳኺ ኣብዚ ሕጂ እዋን  እቶም ፓይሎታት ኣብ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዝርከቡን እታ ሄሊኮፕተርውን ብዘይ ዝኾነ ሓደጋ ከምዝወረደትን ካብ ሚኒስርቲ ምክልኻል ናይታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ ።

 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ካብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንስርዓት ኢሰያስ ብምቅዋም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ ብፍላይ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ካብ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብተኸተታሊ ክሰግሩ ጸኒሖም እዮም ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3210

Posted by on Dec 23 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net