ክጽውዓኩምዶ ከምቲ ንቡር ኣቱም ሰብ ኣውራጃ ስሞም ክቡር

ታሕሳስ 23-2006 ረ.ክ.(ባሻይ)

ብዓል መጋርያ ላም ወድ-ሕጻ ባርካ

በሓቂ ድዩ ሎሚ ብህግደፍ ርዒድካ

ኣቦ ታሪኽ ሰውራ ቃልሲ ዝጀመርካ

ኣበይ ኬድካ ጎፋር ሸቲት መተርኣሱ?

      ክብሪ ገድሊ ሀገር ቀሊሉ ፈዂሱ

      ጥንሲ ጎቦ ኣዳል ህግደፍ ኰይኑ ሕርሱ!

ኣታ ብዓል ሳሕል ወዲ ስርናይ ማና

ዘይትድፈር እምባ ዕርድታት ሰውራና

ምዝገብ ዓወት ውጹዕ ዓጻጽምቲ ጅግና

      ገበላ ውጹዓት ዑቕባ ተጋደልቲ

      ነብሪ ንጸላእቱ ንፈተውቱ ሰቲ

      ረሲዕካዮ ዲኻ ማሕላኻ ናይ ጥንቲ?

ኣታ ብዓል ሰምሃር ኣብ ቅድሚኡ ምርከብ

ከም ንህቢ ዝሃምም ከም ጥይጥ ዝቝለብ

ኣሕዋትካ ክጠፍኡ ድንን ማለት ዓገብ

      ታሪኽ ኣቦታትካ ንጹር ዝተመርጸ

      ከም ነብሪ ትውርወር ነንቂሉ ዝመጸ

      ንምዓስ ትጽበ ሰብ እንዳ ተረግጸ?

ሰብ ሽርጥ ደንካልያ ባሕሪ ተንሳፍፉ

ክንዲ ዓሳ ባሕሪ ሽፍታ ዘይትገፉ

ህግደፍ ሽሙ ’ለኩም ምድንጋር ወልፉ?

      ህግደፍ ደፊሮማ ሃገርኩም ኤርትራ

      ኣሕዋት ተኣሲሮም አብ ደሴታት ናዂራ

      ሓምብሱ ’ውጽኡዎም ጥበብኩም’ዩ ዒራ

መንከ ረኸበለይ ወድ-ጀርዲን ሰንሒት

ባርዕ ዶ ’ይነበርካን ህቦቡላ ኽርቢት

እንታይ ጒዱ ድኣሉ እዚ ኹሉ ትጽቢት?

      ደብርኻ ድዓሪት ኣታ ብዓል ከረን

      ኣብኡ ዶታ ’ይኮነን ጸላኢ ዝቝረን

      ናትካዶ ’ይነበረን ወዮ ዕጥቅን ስረን

ሓተትኩኻ ደጊም ወዲ ’ዞም ሰራየ

ማንም ክዘምተካ ፍንጃል ዘየፍረየ

ዘይነበረ ታሪኽ ቀደም ዘይተወርየ!

      ወዲ ሰባር ማዕጺድ ቅሚጦ ጽላሉ

      ህግደፍ ክጓርቶ ንዓኻ ’ታሊሉ

      ህረሞ ነጋሪት ኩሎም ክለዓሉ

ኣከለ በለለይ ወዲ እምባ ሶይራ

ወድ ሰማይ ጠቀስ ነዳር ጠሓሒራ

ሚእትኻ ክደፍሩ ትሕዝትኦም ዕስራ!

      ክንዲ ትኣስሮምሲ ንሶም ክኣስሩኻ

      ናቶም ሓጺን ኰይኑ ናትካ ግና ላኻ

      እምበርዶ ፈሊጥካ መን ’ዮም ጸላእትኻ?

ወዲ ሓማሴናይ ወዲ ጎልጎል ሰም-በል

ደይትምሕዎም ግዳ ከም ጻህያየ-መኸል

ብጋንታ ዕዋላ ንምንታይ ትታለል

      ኣንታ ወዲ ለዋህ ዘይውድኣ ድራር

      ዞባ ማእከል ኢሎም ኣዊጆም ሰብ ቍማር

      ምሳርካ ኣውሪዶሞ ብኾበሮ ኽራር!

ኣቱም ኤርትራውያን በዚሑኩም ድፍረት

ሽምኩም ተደምሲሱ ተጎልቢብኩም ሕፍረት

ታሪኽ ከምዘይብልኩም ተመንዚዕኩም መሬት

      ታሪኽ ኣለዎ ሽም ኣውራጃ ሃገርኩም

      ወለዶ ቀዳሞት ናይ ዓዲ ሰረትኩም

      ህያብኩም ክቕበር እንታይ ዓዘመኩም?

ኣበይ ኣሎ ሕጊ ስርዓት ናይ ኣቦታት?

ኣጥፊኦሞ ህግደፍ ምስተን ኣውራጃታት

ኣምሰያኡ ’ምጺኦም መጽሓፍ ዕዋላታት

      ኣውራጃ ክጠፍእ ሰረት ዓዲ ይጠፍእ

      ስድራ ትበታተኽ ፈትሊ ብዘይ መርፍእ

      ዝሰፊ ’ይርከብን ብዘይካ ዝወግእ

ህግደፍ ሰብ መደብዮም ነዊሕ ዝፈከሩ

ታሪኽና ክድምሰስ ብሃር ዝመኸሩ

ንሕና ክንጠፍኣሎም ንሶም ክዕስክሩ

      መሬት ደቂ ርስቲ ህግደፍ ይነብርሉ

      ወድ-ሰንደቕ ወሰን ጸላእቶም ይሕሉ

      ትርጒም ዞባ ማእከል ርኣይዎ በሉ!

ኣቱም ኤርትራውያን ዕጠቑ ክተቱ

ኣውራጃኹም ሓዙ ፈክሩ መክቱ

ደም ዓጽሚ ሂወትኩም ሃኒጹ ኤርትራ

ህግደፍ ለወጠኩም ንናቕፋ-ባጤራ! 

ረ.ክ.(ባሻይ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1400

Posted by on Dec 23 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net