ካብ መዓስከር ስታ ወዕሽሪን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ካርቱም ክኣትዎ ዝፈተኑ ልዕሊ 100 መናሰያት ተኣሲሮም ኣለዉ ።

GIC
24/9/2006
             

ካብ መዓስከር ስታ ወዕስሪን ናይ መንቀሳቀሲ ፍቓድ ከይሓዙ ብዘይ  ሕጋዊ መንገዲ ናብ ካርቱም ብበረኻታት ኣቢሎም ናብ ከርቱም ክኣትዉ ዝፈተኑ ልዕሊ 100 ዝኾኑ መንእሰያት ስደተኛታት ብፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ካርቱም የረከቡ ኣለዉ ። ኣቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ከምዝሕብሮ እቶ መንእሰያት ብኮንትሮባንድ ገንዘብ ከፊሎም ኣብ ነኣሽቱ መካይን ተጻዒኖም እናመጹ እንከለዉዮም ተታሒዞም ።

 ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ብተደጋግሚ ዝረኣ ኮይኑ ፡ ቅድሚ ውሕዳት ኣዋርሕውን ብተመሳስሊ መንገዲ ኣስታት 130 ዝኾኑ መንእሰያት ተታሒዞም ከምዝነበሩ ይፍለጥ ። ከምኡውን ከብ ሱዳን ሊብያ ክከዱ ዝፈተኑ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ብፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ማኣሰርቲ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣርቱም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተሓቲቱ ፡ ዝኾነ ነቶም ስደተኛታት ዝግበር  ምሕግጋዝ ከመዘየለ እዩ ገሊጹ ።

ኣብዚ ሕጂ እውን ካብ ኤርትራ ብዝሒ ዘለዎ  ብመንገዲ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ናብ ሱዳን ይኣቱ  ከምዘሎ ካብቲ መዕስከር ዝመጽእ  ዝሎ ሓበሬታ ይብርህ ። እቲ ዝመጽእ  ዘሎ ስደተኛ ብሰንኪ ኣብቲ ንስደትኛታት ተባሂሉ ዝተዳለወ ቦታ እኩል ቀረብ ብዘምህላዉ ብሙሉኡ እቲ ስደአኛ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ  ኣሽሓት ገንዘብ እናኸፈለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ከተማ ይኣቱ ኣሎ ። ከብቶም በኸምዚ ኣገባብ ዝኣተዉ መንእሰያት ሓቲትና ከምዝረኸብናዮ ብዙሓት ካብኣቶም ቅድሚ ናብቲ መዓስከር ምብጽሖም ብገል ተሓባበርቲ ዝመስሉ ሰረቕቲ ገንዘቦም ከምዝምንዝዑ ይገልጹ ። እዚ ኸኣ ነቲ ካብ ዘይብሉ ዝነበሮ ሸይጡ ዝመጽእ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ስደት ዓቢ ፈተና ይኾኖ ኣሎ ።           

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3225

Posted by on Sep 24 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net