ኣየ ጋዶ መጻወቲ ኮይኑ ሃይማኖት ተውሃዶ

ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 25/09/06

 

     ምጾታት ዓለም በጺሑ እንሆ ንሪኦ ብዓይንና

     መሬት ኣንቀጥቂጡ ተቖጢዑ ባሕሪ በዚሑ ሓጥያትና

     ማዕበል ህቦቡላ ብውሕጅ ኣጥለቕሊቓ ኣሪጋ ዓለምና

     ባርዕ እሳተጎመራ ማይ ዘየጥፍኦ መቕዘፍቲ ኣርኪቡና

     ደቂ ሰባት ግብርና ኸፊኡ ገንፊሉ ሓጥያትና

     ውግእን ወረ ውግእንምበር ጥዑም ወረ ሓሪሙና

 

           እዚ ሽግርዚ ምንምኳ ኣብ ኩሉ ዓለም እንተሎ

           ንህዝብና ግን ድርብ ምጾታትዩ ኮይንዎ ዘሎ

           ናይ ተፈጥሮ ጸገማት ከም ዓለሙ ምጸሮ ምኸኣሎ

           ረሳሕ ፖለቲካ ህግደፍ ጥራዩ ዓዘቕቲ ኮይንዎ ዘሎ

          

     መራሕቲ ሃይማኖት ንዓማጺ ስርዓት ካብ ወደሱ

     ዕጸፋርስ ሰትዮም ኣብ መጽሓፍ ዘየለ ካብ ዝቕድሱ

     ኣምላኽ ኪሒዶም ግብረ ጋኒን ህግደፍ ካብ ዝወርሱ

     ክንዲ በጃ ህዝቦም ዝሓልፉ ንጥፍኣቱ ካብ መረሹ

     ካብዚ ዝኸፍእ ምጾታት የለን ኣይንዘንግዕ ኣይንዓሹ

 

            ጳጳስ ናይ ህግደፍ ኣባ ድዮስቁሮስ ኣባ ድያብሎስ

            መራሒኹም ዮፍታሄ ቀ.ጴጥሮስ መናቖት መዳቖስ

            ሰይጣን ዝመረጾም ቅብኣተ ሓራም ቁቡእ ቁንጡስ

            ንህዝቡ ዘይሓሊ መራሕ ሃይማኖት ንሓዋሩ ይቦንቆስ

           

     ኣየ ጋዶ መጻወት በዓል ዮፍታሄ ኮይኑ ሃ. ተዋህዶ

     ካብ ዕዳጋ ዝተኣራረዩ ጳጳስዩ ክብሉኻስ ኣየገርምንዶ?

     ብትእዛዝ ህግደፍ ዝምርሑ ብሰኽራማት ብበጋሚንዶ

     ጥንታዊ ሃይማኖትና ከዳኽሙስ ኣየሕዝነናንዶ?

     ኣብ ክልተ መቓቒሎም ዘራኽስዎ ዘለዉ ንተውሃዶ

     ዚኦም ዝሓዝዎ መስቀል ክንሳለም ቅፍፍ ኣይብለናንዶ?

 

             ስምዑ ናባይ ዘይ ሰገደ ንህግደፍ ከም ዝኻሓደ

             ሊቀ ሊቃውንቲ ንሕና ኢና ልዕለና የለን ዋላ ሓደ

             ብዘይካና ንኻልእ ዘምለኸ ኽሳዱ ብሳንጃ ብጉራደ

             ደጊም ምእሳር የለን ምሕቓቕ ጥራዩ ዘዋጽእ በብሓደ

             ክሳብ ዘለና ንምጽናት እዩ ዕላማና ነንዝተወልደ

             ህልም ፋሕ ብትን ተበለ ህዝቢ ኣብ ድልየቱ ተኸደ

             ዕድመ ንህግደፋውያን ብጾትና መን ዘኪሩዎ ዝተሰደ

 

     ኣቦ.ዓቢ ታሃዊኽኩም ትመስሉ ናይ ድሓንዶ ጉያ

     ወደየ ንመደገሻየ ነቒለ ንግብጺ ንኣለክሳንድርያ

     ንጵጵስና ጥንታዊት መደበር ክርስትና ናብኣእያ

     ታይ ኣዳኸመኩም ኣብ ዓድኹ እንከሎ ኣብ ኤሪትረያ

     ሰሚዐያ ኣለኹ ንሳስ ኣይፈተኹዋን ሽመት ኣጋንንቲያ

     ጵጵስና ብኩቦን ከም እኽለማይ ተሰሪዕካ ኣይትዕደልንያ

     ብህግደፍ ዝተመጽወተት ቆቡዕሲ ንዮ በላ እንታይለያ

     ናይ ዓመጽ ሽመትሲ ቅሳነት የብላን ኣይተደቅስንያ

     ነባ ድዮስቁሮስ ንየፍታሄ ትኹኖም ነዊሕ እንተቐንያ

    

                  ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

                              ኣሜን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2556

Posted by on Sep 25 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net