ሰብ ግራት ተበሉኹምከ!

መስከረም 25-2006

ረ.ክ.(ባሻይ)

ሸኻ እንተወረድና ይንቅወሉ ኣርሓ

ጎቦ እንተደየብና እንዳ ብዕሪር ኣሓ

ሰብ እንተሞተና ሓቢርና ንዂርመ

መርዓ እንተገበርና ንኽደን ስልመ

      አጋይሽ ’ተመጹ መርሓባኩም ንብሎም

      ሰብር ውደዩ ኢልና ጓጒድ ነቐብሎም

      ሩባ እንተወረድና ኩሞለ ልሓመ

      ገደና እንተኸድና ስርናየ ስገመ

ስብ ግራት’ወ ሰብ ዋላኻ ረጋሕ

ኣብ ዓውዲ ዳጒሻ ሕሾና ንምሳሕ

ምህርቲ ንሓፍስ ኣብ ቆፎ ንመልሶ

ብዳንካ ኣዴታትና ንትብትቦ በሶ

      እወ ሰብ ግራት ባንዴራና ርስቲ

      ኣኽራን መማዕደዊ ማይ ባሕሪ ዓጋቲ

      ባሕሪ እንተወረድና ብምዓር ንምልመል

      ዓዲ እንተ መጻእና ጎጎ ንቀባበል

እወ ሰብ ግራት ውርሻ ኣቦታትና

ንህቢ ዝዓሰሎ ኣውሊዕ ዝመወጽና

ዓዲ ብሱል ጥረ ኣብ ልዕሊኡ ሔፎ

መልሲ ናይ ኣለዳ ጻልጣ ንሕንፍፎ

      እወ ሰብ ግራት መሊኡና ኩሉ

      እምኒ እንተፈንቀልና ዓንጎ ምስ ቀንዴሉ

      መሮር ተወፈርና ኣብ በረኻ ደገ

      መሬት ተፈሓርካስ መሊኡ ሻምገ

እወ ሰብ ግራት ሂባ ዘይትርብርብ

ብተስታይ ሓሪስና ብጋይት ንሓልብ

ታሕቲ እንተወረድና በራንሺ ንኽበብ

ላዕሊ እንተደየብና ብምክት ንዛረብ

      ርእስኹም መላኺ ጭራኹም ጽገና

      ኣበይ ከይተብሉ ተፋሊጥና ’ለና

      ስቕ ምባል ’ሕሸኩም ኩሉ ግደፍዎ

      ደርገፍ-ገፍ ’ዩ ትርፉ ዓይኒ ዝተዓጽዎ!!!

 ረ.ክ.(ባሻይ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2432

Posted by on Sep 25 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net