ጸብጻብ እግሪ ጉዕዞ ኒውዮርክ ዋሽንግተን ዲሲ ብዓወት ተዛዚሙ

GIC
30/08/2006

እቲ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ኣንጻር ጸቕጢ ዝተወደበ 256 ማይል ዝሸፈነ  ካብ ነውዮርክ ተበጊሱ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝበጽሐ  እግሪ ጉዕዞ ዕለት 28/ 08/ 2006 ብዓወት ተዛዚሙ ። እቶም ካብ ሽዱሽተ ከተማታት ኣሜሪካን ካልኦት ክፍለ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ንዓሰርተ መዓልታት ድሕሪ ዝገበርዎ ኣድካሚ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብታ ማእከል መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነት ዋሽንግተን ዲሲ በጺሖም ።

 ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝብጽሕሉ ግዜ ዕላማ ግዕዞኦም ንሓላፊ ሽማግለ ወጻኢ ዝምድናታት ባይቶ ኣሜሪካ ብጽሑፍ መልክዕ ኣረኪቦም ። ከምኡውን ሰልፈኛታት ምስ ኣንባሳዶር ዮማቶ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት  ኣዘራሪቦምዎ ፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ብፍላይ ዝርዝራዊ ሓብሬታ ብምቕራብ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ማኣሰርቲ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ ንምርዳእ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካ እሱራት ፡ ጋዜ ጠኛታት : መኣመናን ዝረከብዎም ብዙሓት እሱራት ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዝረከቡ ገሊጾም ።

ኣዚ ኣብ ተሞክሮ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣንጻር ዲክታትፖርያዊ ስርዓት ናይ መጀመርታ ተሚኩሮ ዝኾነ ተበግሶ ፡ ቅድሚ ህጂ ብሰላማዊ ሰልፊ ከምዚ ዕዉት ስራሕ ከምዘይተራእየ ብምግላጽ ፡ ከምውጽኢት ናይዚ ድማ ብዙሓት ሞጎሶም ነዚ ተብግሶ ይገልጹ ኣለዉ ። ብተወሳኺ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፊ ንመጀመርታ ይርእዩ ከምዘለዉ ብምግላጽ ስጋብ ክንደይ እቲ ናይ ኤርትራ ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ  ከምዝርድኡ ጌርዎም ኣሎ ።

 ነቲ ተበግሶ እግሪ ጉዕዞ ብዙሓት ማህበራትን ። ወልቀሳባትን ናይ ደገፍ መልእኽቶ ዝለኣኩ ክኾኑ ኣንከለው ረዲዮ ድምጺ ኣሜሪካውን እናተኸታተለት ናብ ፈነወ ከምዝበቕዕ ጌራ ።

ጓል 49 ዓመት ኣደ ሰለስተ ቆልዑ  ሂወት ገብረሚካኤል ነቲ ፈታኒ እግሪ ጉዕዞ ክትገልጽ ከላ “ እቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ፈታኒ እዃ እንተነበር ምእንቲ መሰል ህዝበይ ምስ ኣሕዋተይ ነቲ ጉዕዞ ክብድሆ ወሲነ እንሆ ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝድለ ሸቶ ውቒዕና ጉዕዞና ብዓወት ዛዚምና ትብል ፡ ብተወሳኺ ወ/ሮ ሂወት ጸገማት ህዝበይ ኣብ ቅድመይ ቅጅል ስለዝብለኒ ነዚ ኣግሪ ጉዕዞ ኒሕ ተዓጢቐ ብዓቢ ፍናን ሃገራዊ ስሚዒትን ወዲኣዩ ክትብል ገሊጻቶ ።

ከምኡውን ኢጣልያዊት ዝዜግነታ ዳንያ ፋሎኒ ሓንቲ ካብቶም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ እግሪ ጉዕዞ ኒውዮርክ ዋሽንግተን ዲሲ እያ ። እሳ ንዕላማ ጉዕዞኣ ክትገልጽ ከላ “ኣነ ንገለ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተቐሚጠ ኔረ  ፡ ኤርትራ ድማ ኣብነት ናይ ዲሞክራሲ  ኣብ ኣፍሪቃ ክትከውንያ ዝብል ተስፋ  ኔሩኒ ። እንተኾነ ግነ ነገራት ኩሉ ብግልባጡ ኮይኑ ፡ ኩሉ ነገር ኣንጻር ትምኒተይ ከይዱ ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣዝዮም እዮም ብዛዕባ ኤርትራ ዝሻቐሉ ክትብል ዘለዋ ሓበሬታ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ኣስዒባ ስርዓት ኣስመራ ዓመጽን ገባትን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ህዝቡ እናዋረደ ከም ቅኑዕ ምቕባሉ ዘይፍትሃዊዩ ክትብል ገሊጻቶ ። ስለዝኾነ ድማ ትብል ኣነ ንዘይፍትሃውነት መንግስቲ ኤርትራ ንምግላጽ ነዚ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክሳተፎ ወሲነ ኢላ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3251

Posted by on Aug 30 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net