መልእኽቲ ደገፍ

ነቲ  ብሃገራውያን ኤርትራ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣህዛብ ኤርትራ ጠጠው ንኸብል ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ጉዕዞ እግሪ ኒዩዮርክ-ዋሺንግቶን ዲሲ።

ኣህዛብ ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነቶምን ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቶምን ዘካየድዎ ሓርነታዊ ተጋድሎ፡ ብሰንኪዚ ትምክሕታውን ምልካውን ስርዓት ህግደፍ ተገፊፉ ይርከብ። ኩሉቲ ትምኒታቶምን ሕልምታቶምን ጸጋታቶምን ተሓሪሞም፡ ፍረ ጻማ ቃልሶም ከይረኸቡ ኣብ ዝኸፍኤ ሕሰምን መከራን ወዲቖም፡ ኣደዳ ዘስካሕክሕ ማእሰርትን መቕተልትን መሪር ስደትን ኰይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። እህዛብ ኤርትራ ኣብ መሪርን ዘስካሕክህን ናብራ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ ወቕት፡ እዞም ምዑታት ደቂ ሃገር ኣቶ ሳሙኤልን ሓዉ ተኽለ ገብረጊዮርጊስን  ዘበገስዎ ከምኡውን ኣብ ጐድኖም ኰይነን ብዘይ ምሕላልን ብዓብይ ተወፋይነት ዝረባረባ ዘልዋ ኢጣልያዊት ብጸይቶም ወይዘሮ ዲያና ኣቫሎነን ምምስጋን ጥራሕ ዘኰነ ዘድሊ ሞራላውን መተርያላውን ምትሕብባር ክግበረሎም ዝግባኦም ሃገራውያን እዮም። ነቶም ሎሚ ኣብዚ ናይ እዋኑ ሓርነታዊ ጉዕዞ እግሪ ኒዩዮርክ-ዋሺንግቶን ዲሲ ብኣካል ዝሳተፉ ዘለዉ ሃገራውያን ኣውን ዓቢይ ሞጎስ ይብጽሓዮም።

እዞም ምዑታት ሃገራውያን ተቓለስቲ እዚኣቶም ከም ኩሉ መሪሩዎ ዘሎ ኤርትራዊ ዝመረሮም ኰይኖም፡ ብውልቆም በታ ዘላቶም ዓቕምን ዝውንንዋ ጉልበትን ነዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምግፋፍ መሰል ደቂ ሰባትን፡ ምእሳርን ምጭቋንን ናይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንጹሃት ዜጋታትን፡ ከምኡውን ናይቶም ንነዊሕ ግዜ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝነበረ እዋን ክሳብ ሎሚ ከተረፈ፡ ብዘይ ገለ ገበንን ግቡእ ፍርድን ኣብቲ ኣዝዩ ግፍዓዊ ዝዀነ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያትን ሽማግለ ኣረጋውያን ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ዘስካሕክሕ ግፍዒዚ ንኽገላገሉ ንክሕግዝ ጥርዓን ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዋና ጸሓፊ ኣቶ ኮፊ ኣናን ንምብጻሕን ዘካይድዎ ዘለዉ ሓርነታዊ ጉዕዞ ንምጉስ።

እዞም ምዑታት ደቂ ሃገር ኣቶ ሳሙኤልን ሓዉ ተኽለ ገብረጊዮርጊስን ቅድሚ ሎሚውን ደኺምና ሰልችዩና ከይበሉ ብምድግጋም ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብብዘሎዎ ዓቕሚ ክድግፎን ክተሓባበሮን ሓገዛቱ ከበርክትን ይግባእ፡ ነቶም ድሮ እቲ ዘድሊ ምትሕብባርን ደገፋትን ዘበርክቱ ዘለዉ ውልቀሰባትን ማሕበራትን ወብሳይትታትን ናይ ዜና ማዕከናትን እውን ክምጐሱ ዝግብኦም እዩ ንብል። ንመጻኢውን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣንጻር ዲክታቶሪዊ ስርዓት ንዝካየዱ ተበግሶታት ቀጻሊ ውዕዉዕ ምትሕብባራት ምድግጋፋትን ክህሉ ንላቦ።

ደገፍና ደርት የብሉን

ዕዉት ጉዕዞ ንክኸውን ሰናይ ትምኒት!

ንበርትዕ ክንዕወት ኢና!        

ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)

ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት

ተ/ጋ ኣብርሃም ተወልደ

24.08.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3060

Posted by on Aug 28 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net