ሓጸርቲ ዜናታት

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
27.08.2006
 

1. ስርዓት ኣስመራ፡ ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ተመሃሮ ውን ከይተረፉ በስገዳድ ምዕስካር ጀሚሩ። በዚ ከኣ፡ እቲ ንተመሃሮ ክሳዕ 11 ክፍሊ ዝበጽሑ ካብ ምዕስካር ሓራ ዝገብሮም ዝነበረ ናይ ቀደም ሕጊ ብኻልእ ሓድሽ ሕጊ ተተኪኡ ኣሎ ማለት ኢዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ካብ መጀመርያ ወርሒ ለካቲት 2006 ኣትሒዙ ተመሃሮ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክገፍፍ ጀሚሩ። ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ጐሉጅን ተበልድያን ኣከላትን ገርገፍን ሳቦንያይን ጥራሕ ዝተገፉ ተመሃሮ 4,700 ክዀኑ ከለዉ፤ ካብ ዓዲ ዃላ ውን፡ ተመሃሮ ኣብ 35 ናይ ጽዕነት መኻይን ተጻኦኢኖም ተወሲዶም። እቶም ካብ መታሕት እተገፉ ናብ መደበር ታዕሊም ዊዓ፤ እቶም ካብ ከበሳ እተገፉ ድማ ናብ ሳዋ ይውሰዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከኣ፡ ህድማ ንምኽልካል ተባሂሉ እተመርጸ ስልቲ ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ ቍጽሪ ናይ ካብ ኣስገዳድ ዕስክርና ዘምልጡ ዘለዉ መንእሰያት ክውስኽ ደኣ’ምበር ክጐድል ኣይተራእየን።

ኣወዳትን ኣዋልድን ዝርከብዎ ናብ መደበር ስደተኛታት ወድሸሪፈይ ዝበጽሑ መንእሰያት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

ብዕለት 27.02.2006 …………… 52 ስደተኛታት፤

ብዕለት 28.02.2006 …………… 86 ስደተኛታት፤

ብዕለት 01.03.2006 …………… 59 ስደተኛታት፤

ብዕለት 04.03.2006 …………… 69 ስደተኛታት፤

ብዕለት 05.03.2006 …………… 95 ስደተኛታት፤

ብዕለት 06.03.2006 …………… 40 ስደተኛታት፤

ብዕለት 07.03.2006 ……………. 94 ስደተኛታት።

2. ብዕለት 18.03.2006 መንእሰያት ተህድሙ ኣለኹም ብዝብል ክሲ፡ ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብ ከተማ ተሰነይ ክልተ መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሺኑ።

3. ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ለካቲት 2006፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ መንሳዕ፡ ሓምድ ኣደም እተባህሉ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ኣቦ፡ ደቅኹም ኣህዲኩም ብዝብል ክሲ፡ ካብ ሓሚሞም ደቂሶምሉ ዝነበሩ ዓራት ወሲዱ ከምዝኣሰሮምን፤ 50,000 ናቕፋ ከፊሎም ብውሕስነት ክወጹ ድሕሪ ምፍራሞም፡ ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ስለዝዓረፉ፤ ቤተ ሰቦም ናይ’ቲ ዝፈረምሉ 50,000 ናቕፋ ከይከፈሉ ሬሳኦም ክወስዱ ከምዘይክእሉ ስለ እተንግሮም፡ መቕጻዕቶም ከፊሎም ሬሳኦም ከምዝወሰዱ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3411

Posted by on Aug 27 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net