ኣዘዝትን ዓለምትን ተዓለሞን መዓስከር ሳዋ ዝረከብዎም ብዙሓት መንእሰያት ናብ ሱዳን ይኣትዉ ኣለዉ ።

GIC
27/08/2006

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን  ኣብ ዝዘርጋሕናዮ ዜና 235  ኤርትራውያን ካብ ስርዓት ኢሰያስ ኣምሊጦም ፡ ብመንገዲ መዓስከር  ወዲ ሸሪፈይ ብሰላም ናብ ሱዳን ከምዝ ኣተዉ ገሊጽና ምንባርና ዝዝከርዩ ። ሎሚውን ብተመሳስሊ ከብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዝገልጾ ካብ ዕለት 18 ስጋብ 24 ኣብ ውሽጢ ስዱሽተ መዓልቲ  ብድምር 230 ኤርትራውያን ናብቲ መዓስከር ብሰላም በጺሖም ኣለዉ ።

እዞም ናብ ሱዳን ኣትዮም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት መብዛሕቶም ፡ ሓለፍትን ፡ ዓለምትን ፡ ተዓለምትን መዓስከር ሳዋ ዝርከብዎም ኮይኖም ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምኻኖም እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ። ካብዞም 230 ሓደስቲ ስደተኛታት 30 ደቂ ኣንስትዮ ምኻነን ኣቲ ሓበሬታ የረድእ ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛታ ናብ ሱዳን ዝተመዝገበሉ ወርሓት ምዃኑ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ኸባቢ ይዛረቡ ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ 700 ስጋብ 900 ዝግመት መንእሰይ ምእታዉን ኣቲ ዋሕዚ መንእሰያት ገና ኣብዚ ዘይወዳእናዮ ወርሒ ጥራይ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝኣተወ ቑጽሪ ተዓጻጺፍዉ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ ። ኣብ ተመሳስሊ ዜና ቁጽሪ ስደተኛታት  ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝለዓለዩ ። ኣብ ዝሐለፈ ዓመት ብድምር ልዕሊ 20,000 ዝግመት መንእሰይ ናብ ሱዳን ኣትዩ ክብል እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ ።

ከምዝፍለጥ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝኽተሎ መዝማዚ ፖሊሲ ብዓሰርተታ ኣሽሓት ዝግመት መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣለዉ ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ብዙሓት ስድራቤታት ዝጥውረን ስኢነን ፡ ኣብ ርእሲኡውን መቕጻዕቲ ናይ ዝሓደሙ ደቀን ተባሂሉ ኣደዳ ማኣሰርትን ናይ 50,000 መቕጻዕቲ ክፍሊት ኮይነን ኣለዋ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3245

Posted by on Aug 27 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net