ማእከላይ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ኣኼብኡ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መሪጹ ።

GIC
25/08/2006 
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ድሕርቲ ብዕለት 15/08/2006 ጀሚሩ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ክቕጽል ዝቐነየ መስመሪ ጉባኤ ሰለስተ ውድባት ፡ ኣብ መወዳእታ 37 ዝኣባላታ  ማእከላይ መሪሕነት ብምምራጽ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ ። ብድሕርዚ ማእከላይ መሪሕነት ግንባር ንኽልተ መዓልታት ዝወሰደ ቀዳማይ ኣኼብኡ ብምቅናዕ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መሪጹ ።

እቲ ውጽኢት ናይቲ ኣኼባ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ  ኣወንታዊ ከምዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ ። ብመሰረት እቲ ዝተገብረ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምርጫ ሰለስተ ሓደሽቲ ኣባላት ናብ መዝነት ከምጽእ እንከሎ እቶም ዝተረፉ ግን ኣብ መሪሕነት ሰለስቲኣን ውድባት ዝጸንሑ እዮም ።

ኣገባብ ኣመራርጻ ፈጻምቲ ኣባላት ብሓፈሻ ኣመራርጻ ድምጺ ብምሃብ ዘይኮነስ ብስምምዕ ከምዝነበረ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ምርጫ ብድምጺ ምግባሩ ተኣፋፍን ተሃዋስን ብምዃኑ ፡ ኣቲ ባይቶ ብብቕዓት መዚኑ ኣብ ዝግባእ ቦታ ዝበቅዕ ሰብ ከምዝመዝዝ  ተጌሩ  ። ኣብዚ ከይተጥቕሰ ክሕለፍ ዘይግብኦ ኣብቲ ዝነበረ ናይ ምምዛዝ ኣጋጣሚ ምርድዳእን ፡ ሓድሕዳዊ ልዝብን ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ከምዝነበረ ፡ ከምውጽኢት  ናይዚ ኸኣ ብቲ ዝተገብረ ምምዛዝ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኩሉ ኣባል ዕጉብ  ምምዃኑ ይግለጽ ኣሎ ።

ብመሰረት እቲ ማእከላይ መሪሕነት ኣቕርብዎ ዘሎ ናይ ፈጸሚት ኣብያት ጽሕፈታትን ዝተመዘዙ ኣባላትን ብኸምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም ።

  ካብ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ ሃገራዊ ጉባኤ

ዶክተር   በየን     ኪዳነ :   ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት 

ተጋዳላይ  ዓብደላ   ሓሰን :   ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታዊ ጉዳያት  

ተጋዳላይ  ጃብር  ኣሕመድ :-  ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት

ካብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ 

ተጋዳላይ  ዓብደላ  ኣደም:     ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት

ተጋዳላይ  ዑቕባይ ተኽሉ :     ሓልፊ ቤት ጽሕፈት ቑጠባን ፋይናንስን

ተጋዳላይ ኣሕመድ  ኢብራሂም :  ሓልፊ  ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት

ካብ ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ

ተጋዳላይ ብርሃነ የማነ :     ምክትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያትን

ተጋዳላይ ነጸረኣብ ኣስመላሽ :  ሰክሪተር

ተጋዳላይ ገብረሚካኤል :      ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3230

Posted by on Aug 25 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net