Articles

ስሓጻር መልእኽቲ ንኹሎም ጀጋኑ ተቓለስቲ ኣባላት ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ኣብ ኩሉ ዓለም እትርከቡ ኣባላት ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ብሃገርኩምን ህዝቡኹምን ተሓሊቅኩም ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኹሉ ሰሪዕኩም ንሓድነትኩም ብሙዑት ክትቃለስሉ ዝጸናሕኩም ብጋህዲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ብመገዲ መስመሪ ጉባኤና ኩውን ዝገበርኩም እንቛዕ ደስ በለኩም ደስ በለና።

       መስመሪ ጉባኤና ብዓወት ብምዝዛሙ ሓደ ሩኡይ ተስፋ ህዝብና ኾይኑ ንዲክታይተር ስርዓት ኢሳያስ ድማ ኣብ ምንዋሕ ስልጣኑ ዓቢ ሻቅሎት ፈጢሩሉ ከም ዘሎ ሳዓብቱ ከይ ተረፈ ዝሪኢዎን ዝዛረቡሉን ዘለውዩ እዚ መገዲ ዓወት እዚ ብሃቦ ተረከቦ ዝመጸ ኣይኮነን ፍረ ጽንዓት ኣባላት ግምባር ሃገራዊ ድሕነት መሪሕነቱን መሰረታቱን ብዘይ ሕለል ቃልሲ ስለ ተኻየዶ ኣዩ።

        ንኹሎም ኣብ መስመሪ ጉባኤና ዝተመርጹ መሪሕነት ውድብ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ከንግራጅለሽን መብሩኽ ንመጻኢ ማይኒ ጸባን ዄና  ምስካሎኦት ውድባት ናዕና ዝመስሉና ኢሂን ሚሂን እና ተባሃሃልና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ ካብ ዝብል ገስጋሲ ጭርሖ  ውድብና ተበጊስና ዘይ ሕለል ቃልሲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰገርናዮ እተፋላለየ ዕንቅፋት ድምብርጽ ከይበለና ንህዝብና ብ3ውድባት ሃድነቱ ዘራጋገጽናሉ ንመጻኢ ንዝጓነፈና ዕንቅፋትን ሽርሕታትን ከም ቀደምና እና መከትና ቃልስና ከነኻዕብት የታሓሳስብ።

        ካብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top