News

ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ንኸይባረሩ ንምድሓ ዝግበር ዘሎ ናይ ተቓውሞ ጻውዒት

ማሕበር ኤርትራውያን ንዘተ ኣብ ሽወደን
06.08.2006

 

ኣብ መንጐኦም 300 ደቂ ተባዕትዮን 100 ደቂ ኣንስቶን ዝርከብዎም 400 ዝዀኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ንኽባረሩ ኣብ ሓንቲ ካብ በንጋዚ 100 ኪሎ ሚተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምስ ሰማዕና ከቢድ ጓሂ’ዩ ተሰሚዑና። ካብ’ታ፡ ማእሰርትን ምስጓግን ፈሪሖም፡ ህይወቶም ንምድሓን ዝሃደሙላ ሃገር ብዘይ ፍቓዶም ንኽምለሱ ኢዮም ዝግደዱ ዘለዉ። እንተደኣ ተመሊሶም ከኣ፡ ኣደዳ ቅንጸላን ማእሰርትን ስቅያትን ዓዘባን ክዀኑ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን። መንግስቲ ሊብያ፡ ኣብ ሃገሩ ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከባርር ናይ መጀመርያ ግዜኡ ኣይኰነን።

ኣብ 2005፡ መንግስቲ ሊብያ፡ ልዕሊ 70 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ከምዘባረሮም ዝፍለጥ ኰይኑ፤ እቶም ስደተኛታት ግን፡ ነታ ናብ ሃገሮም ትመልሶም ዝነበረት ነፋሪት ሊብያ ጨውዮም ኣብ ካርቱም ከምእትዓልብ ብምግባር ህይወቶም ከምዘድሓኑ ዝዝከር ኢዩ። ንስደተኛታት በስገዳድ ናብ ሃገሮም ምምላስ፡ ምስ ኣህጕራዊ ሕጊ ዝጻረር፡ ቅሉዕ ናይ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ኢዩ። ሊብያ፡ ከም ኣባል ሕቡራት ሃገራት፡ ንመሰላት ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ኣገባብ ክትግህስ ትርከብ ኣላ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኵሎም ናይ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪላውን ፖለቲካውን ውድባትን ነዞም ህይወቶም ንሓደጋ ተሳጢሑ ዘሎ መንእሰያት ንምድሓን፡ ናብ ዝምልከቶም ኣህጕራዊ ትካላትን ናብ መንግስቲ ሊብያትን ናይ ተቓውሞኦም ድምጺ ከስምዑ ንጽውዕ።

ማሕበር ዘተ ኤርትራ፡ በዚ ጕዳይ’ዚ ምስ ኵሎም ኤርትራውያን ውድባትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን ንምርኻብ ይጽዕር ኣሎ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ሰብኣዊ መሰል ማሕበርን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ካልኦት ኣህጕራዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ድሮ ርክባት ጀሚሩ ከምዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top