ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣስመራ፡ እገዳ ክገብር ይዘራረብ ኣሎ

 ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
04.08.2006

ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ብለገስቲ ዝተዋህቦ ረዲኤት፡ ነቶም ክድገፉ ዘለዎም ጽጉማት ብጥርሑ ኣብ ክንዲ ዝዕድል፡ “መግቢ ብስራሕ” ዝብል ባዕሉ ኣብ ዝወጠኖ መደብ ስለዝደረቐ፤ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት እገዳ ክገብር ይሓስብ ከምዘሎ ገሊጹ። ብሕብረት ኣውሮጳ ዝወጸ መግልጺ፡ እቲ መግቢ ብስራሕ ዝብል ናይ ስርዓት ኤርትራ መደብ፡ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ረዲኤት ክህብ ዝወሰነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ዝጻረር ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኤርትራ፡ ገርት ሃይከንስ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ’ቲ “መግቢ ብስራሕ” ዝብል ሓድሽ ፖሊሲ ንምምይያጥ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዝተገብረ ኵሉ ፈተነታት ስለዝፈሸለ፣ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ስጕምቲ ምውሳድ ጥራሕ ኢዩ ኢሉ። ቀጺሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዲክታቶርያዊ ኢዩ ክብል ገሊጽዎ። ማርቲ ፕላውት እተባህለ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ለገስቲ ሃገራት እናተጋህደ ዝመጸ ሕማቕ ዝምድናታት ከም’ዚ ዝስዕብ ገይሩ ይገልጾ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ “መግቢ ብስራሕ” ዝብል ሓድሽ መደብ ኣብ ግብሪ ከውዕል ጀሚሩ። እዚ ከኣ፡ መግቢ ነቶም ዝሰርሑ ጥራሕ ይዕደል ማለት ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ መደብ’ዚ ህዝቢ ኣብ ረዲኤት ከይምርኰስ ዝኽልክል ኢዩ ይብል። መንግስቲ እዚ ሓድሽ ለውጥታት’ዚ ከተኣታቱ እንከሎ፡ ነቶም ለገስቲ ሃገራት ከይተወከሰ ኢዩ ገይርዎ። እቶም ለገስቲ ሃገራት ድማ፡ ረዲኤት ዝዕደለሉ ኣገባብ ዝገልጽ ንጹር መምርሒ ኣለዎም። ኣምባሳደር ገርት ሃይከንስ፡ ናይ ኣውሮጳ ዓቕሊ ድሕሪ ደጊም ተጸንቂቑ ኢዩ ኢሉ።

“ካብ ግንቦት ኣትሒዘ፡ ቍጽሪ ዘይብሉ ደብዳቤታት ናብ ሚኒስትሪ ልምዓትን ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ልኢኸ ኢየ። ኣብ ዝረኸብክዎም ኣጋጣሚ ድማ፡ እንታይ ገርኩም ኢለ ክሓቶም ጸኒሐ። ግን ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ኣይወሰዱን። ሕጂ ብዛዕባ’ቲ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ ምስ ብሩሰልስ ንዛራረብ ኣሎና” ክብል ኣምባሳደር ገርት ንማርቲን ፕላውት ገሊጽሉ። ኣስዒቡ፡ ጕዳይ ረዲኤት ብዝምልከት ግሉጽ ኣሰራርሓ ዘይሃለወሉ ምኽንያት፡ ስርዓት ኤርትራ ናጽነት ናይ ፕረስ ስለዘየፍቅድን ንተቓወምቱ ስለዘይጻወርን ኢዩ ኢሉ።

“እዚ ጸገም’ዚ፡ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ-ምምሕዳር ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ የለን። ኤርትራ፡ ካብ ዲሞክራሲ ኣዝያ ርሒቓ ኢያ ትርከብ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዲክታቶርነት ኢዩ ክበሃል ይከኣል” ብምባል ኣምባሳደር ገርት መረረኡ ገሊጹ።

ኣብ መንጐ ለገስቲ ሃገራትን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና እናተበላሸወ ኢዩ ከይዱ። ካብ ኣስመራ ወጻኢ ንኸይንቀሳቐሱ ተሪር ዝዀነ ምቝጽጻር ኣሎ። ክሳብ 100 ዝዀና ናይ ረዲኤታዊ ትካላት መኻይን ብመንግስቲ ኤርትራ ተሃጊረን ኣለዋ። እዚ ሕጂ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን ለገስቲ ሃገራትን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ዝድሓረ ኰይኑ፡ ካብ’ቲ “መግቢ ብስራሕ” ዝብል ሓድሽ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነቕል ኢዩ። እዚ ምስሕሓብ’ዚ፡ 15% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት ናይ መኣዛ ዘይብሉ መግቢ ኣብ ዝሳቐየሉን፤ ህዝቢ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ረዲኤት ኣብ ዝምርኰሰሉን ዘሎ እዋን ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3335

Posted by on Aug 4 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net