ካብ ኣዳላዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣዳላዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንዝተወሃባ ሓላፍነት ብዕለት 02/10/2006ዓ.ም ስራሓ ድሕሪ ምዝዛም፣ብዕለት 04/10/2006 ጸብጻብ ስራሓ ንኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣቶ ሑሴን ኸሊፋ ኣረኪባ።

ሓበሬታታት ንምእካብን ጠርናፊ ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ባይታ ንምምጥጣሕን ኣብ ስራሓ ብዙሕ ጸገማት እካ እንተጋነፋ፣ ብዉሑድ ዓቕማን ትሕዝቶኣን መልእኽታታ ወላ’ውን ንኹሎም ኤርትራዊያን ዝርከብሉ ከተብጽሕ ኣይትኽኣል እምበር፣ እዛ ሽማግለ እትርከበሉ ኣብ ዝበዘሐ ክፋላት ቴክኖሎጂን ሓደስቲ መራኸቢታት ዝነበረ ሃዋሁ ብምንባሩ ኣብ ምስልሳል ዕማማ ቡዙሕ ሓጊዝዋ እዩ። ኣብዚ ከየመስገናዮም ክንሓልፍ ዘይንደሊ ኩሎም እቶም ቴሊፎናት ብምድዋል ንኹነታት ስራሕና ዝከታተሉን ዝጥይቑንን ዘተባብዑዋን ዝነበሩ ኩሎም ክየምስገነቶም ክትሓልፍ ኣይትደልይን። ከምእ’ውን ንኹሎም ምስዛ ሽማግለ ምትሕብባራቶም ዘርኣዩን ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ዝለገሱላን ዘተባብዑዋን’ውን ከተመስግኖም ትደሊ።

ኣዳላዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ: ጡጡሕ ባይታ ንጠቕላሊ ዝኾነ ዋዕላ ከምዝተኸለት ብምእማን ናብ ኤርትራዊ ኤርትራዊ ስኒት ዘብጽሕን ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ዘብቅዕን ኩነት ክኸውን ትምነ።

ሽማግለ ብዘቕረበቶ ተሳታፍነታ ሓደ ምዕራፍ ንቕድሚት ኣብ ጉዕዞ እቲ ተባዕ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እንዳተመነየት፣ ዓወት ንኹሎም ንጥቕሚ ሃገር ዝግደሱን ኣብ መስርዕ ሓድነት ቃል ንምስማርን ንዝስረሑ ይኹን።

8-ጥቕምቲ-2006ዓ.ም

ኣቦ-መንበር ኣዳላዊት ሽማግለ ጠቕላሊ ሃገራዊ ዋዕላ

በሺር ኢስሓቕ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3354

Posted by on Oct 8 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net