News

5 ኤርትራዊያን ዝርከብዎም 23 ሰባት ብሓደጋ ፈንጂ ሞይቶም

 ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
13.09.2006
 23 ስባት 5 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 23 ሰባት ትማሊ ኣብ ዘጋጠም ክልተ ሓደጋታት ናይ ፈንጂ ክምዝሞቱ ሎሚ ዕለትት 13.09.2006 ኣብ ዝወጸ ጋዜጣታት ሱዳን ተገልጹ። እቲ ዝጋጠመ ሓደጋ ክልተ ኣብ መንገዲ ፖርትሱዳን ከሰላ ክንቀሳቐሳ እንከለዋ ፈንጂ ረጊጽን ስለ እተባርዓ ኢዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን 5 ግዳያት ካብቶም ዘሞቱ ስባት ኤርትራውያን ሞኻኖም ገሊጹ።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ኣብ’ቲ ቦታ ተዘሪኡ ዘሎ ካርታ ዘይብሉ ፈንጂታት ኢዩ ክብል ምክትል ኣምሓዳሪ ክሰላ ገሊጹ። ከምኡ ውን፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ነተን ኣብኡ ዝነጥፋ ዘለዋ ውድባትን ነዚ ፈንጂታት’ዚ ብቕልጡፍ ክኣልይኦ ተማሕጺኑ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top