ዕዉት ባዓል ባሕቲ መስከረም አብ ሪያድ መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና አብ ከተማ ሪያድ

ብኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን
ብድምቀት ውዒሉ
 

ብዕለት 09/09/2006 አብ ከተማ ሪያድ ሱ-ዓራቢያ ባሕቲ መስከረም ብሱታፌ ኩሎም መሰረታት ኤዲኪን ካልኦት ግዱሳት ኤርትራውያን ዕዱማትን ተደናገጽትን ብድምቀት ውዒሉ።

አብ ምኽፋት ናይቲ ባዓል ቃል ኤዲኪ ጨ/ሪያድ ብቃንቃ ዓረቢኛን ትግሪኛ ቀሪቡ ቀጺሉውን ካብ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ውድባትን ዕዱማትን ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም መግለጺታት ቀሪቡ።

ሓደ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ንህዝቢ ኤርትራ አንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብጽንዓት ንክቃለሰ ትብዓትን ሓቦን ሞራልን ዝሃበት ዕለት ወትሩ ክንዝክራን ከነክብራን ከለና ሎሚ እውን ከም ትማሊ ህዝቢ ኤርትራ አንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ አብ ዘካይዶ ቃልሲ ተጠርኒፉን ሓድነቱ አረጋጊጹ ክምክትን ዳግማይ መብጻዓ ዝአትወላ ዕለት እያ።

ብዙሕ በቢዓይነቱ ብቃንቃ ትግሪኛን ዓረቢኛን መድረካዊ ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘንጸባርቅ ግጥሚታትን ዋዛ ምስ ቁምነገርን ቀሪቡ

ቀጺሉ ዝቀረበ ሰውራውን ሃገራዊን መዛሙር ዝያዳ ነቲ ሃገራዊ መንፈስ ዝቅስቅስን ነቲ ጽኑዕ ናይ ሳላሳ ዓመታት ቃልሲና ደዘካክርን  ስለዝነበረ ተሳተፍቲ ባዓል ሕድሪ ስዉአትና ንምርግጋጽ ካብቲ ዝሓለፈ ንላዕሊ ዝያዳ ቃልሲን ጽንዓትን ስለዝሓተት አብዛ ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ዘብዓልናላ ማዓልቲ መሰረታት ኤዲኪ ንስርዓት ህግዲፍ ንምቅላዕን ንህዝቢ ካብዚ ዘለዎ አስካሕካሒ እከይ መነባብሮ ንክላቀቅን ንሃገርና ናብ ዝኮነ ሓደጋ ንከይትሳጣሕን ዝተዓጻጸፈ ጻዕርን ቃልስን ንከካይዱ ቃል ዝአተዉላ ምዓልቲ ኮይና ውዒላ

ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ካብ ሱሩ በንቂስካ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም፡ ራህዋ፡ ቅሳነትን ፍትሕን ዝረክበላ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ሓያል ጻዕርን ድኻምን መስዋእትን ጽኑዕ ቃልሲን ዝሓትት ስለዝኾነ ኩልና ኤርትራውያን አብየናይ ውድብ ንርክብ ብዘየገዲስ ፍልልያትና አጻቢብና አብ ክሊ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጠርኒፍና  እጃምና ከነበርክትን ንህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ብጽንዓት ክንቃለስን መድርኽ ይሓተና ከምዘሎን ዘለና ሓላፍነት ከቢድ ሙኻኑን ብግቡእ ክንግንዘብ ይግባአና ዝብል ለበዋታት እውን ካብ መሰረታት ኤዲኪ  ድሕሪ ምቅራቡ ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961 መበል 45 ዓመት  ዝተዳለወ ብዓወት ተዛዚሙ።

ካብቲ ዝቀረበ ጭሮሖታት

التحالف الديمقراطي الإريتري طريقنا الى دولت العدالة والدمقراطية

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ናብ ዲሞክራሲ ዘብጻሓና ድልድል እዩ

الفاتح من سبتمبر ذكرى خالدة في قلوبنا

ባሕቲ መስከረም ዘልአለም ትዝከር ዕለት እያ

لا يمكن ان ننتصر إلا بالوحدة –

ብዘይ ሓድነት የለን ዝረጋገጽ ዓወት

 الفاتح من سبتمر هو عهدنا الثاني

ባሕቲ መስከረም ዳግማይ መብጻዓ ንአትወላ ዕለት እያ

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ጨ/ሪያድ ሱዑዲ ዓረቢያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3364

Posted by on Sep 13 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net