ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
17.06.2006
 ናይ ጸለመ መናፍሓት ምዝርጋሕን ምክፋእን ልሙድ ስራሕ ናይ መንግስቲ ኤርትራን መራሕቲ ህግዲፍን ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቍሩብ መዓልታት፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ሰክረተር ህግዲፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራውያንን ዲሞክራስያውያንን ተቓወምቲ ሓይልታት ዝገበሮ ጸለመን ዝሃቦ ግጉይ ሓበሬታን ኣብ ገለገለ ናይ ዞናና ናይ ዜና ማዕከናት ኣንቢብና። ኣልኣሚን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺታት፡ “ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ርእይቶ ይኹን ናይ ህዝቢ ደገፍ የብሎምን …ወዘተ” ኢሉ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጸለመን ኣሉታን ምሃብ ኣመሉ ምዃኑ፡ ነቲ ቅድም ክብል ዝህቦ ዝነበረ መግለጺታት ክከታተሉ ዝጸንሑ ዘበሉ ኵሎም ዝፈልጥዎ ጕዳይ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ እዚ፡ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ብህልውና ናይ ተቓወምቲ ውድባት ዝኣምን ናይ ኣልኣሚን መግለጺ’ዚ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዋጋ ዝኸፍለሉ ናይ ኣፍ ምዕንቃፍ፤ ወይ ድማ፡ ናይ ካልእ ርእይቶ ምቕባል ዝብል፡ ንውሽጣዊ ሽግራቶም ንምፍታሕን ንዞናዊ ምርግጋእን ኵሉ መዳያዊ ልምዓትን ንምርግጋጽን መንግስታት ዞናና ዝጥቀምሉ ዘለዉ ቃላትን ዘስርጽዎ ዘለዉ ባህልን ከምዘለዎ ቃል ንቓሉ ቀዲሑ ዝተጠቕመሉ ከይከውን ተስፋ ንገብር።

ብዛዕባ’ቲ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ንኤርትራ ካብ’ቲ ስርዓት ሓደ ውልቀሰብ ባዕሉ ዝሸመማ ዓዘቕቲ ከውጽኣ ዝኽእል ፕሮግራም ይኹን ርእይቶ የብሎምን ዝብል ኣዘራርባኡ እንተዀይኑ ድማ፡ ነዚ ዝስዕብ ሓቅታት ክንጠቕሰሉ ንፈቱ። ኣብ ኵሉ መዋእላት ናይ ቃልስና፡ ኣብ ሃገራዊ ናጽነት ዝተሰረተ፡ ንትካላዊ ኣሰራርሓን ህንጻ ሃገርን ዘማቻችእ፥ ንቍጠባውን ባህላውን ማሕበራውን ልምዓት ሃገርና ባብ ዘርሑ፥ ንውሽጣዊ ሽግራት ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ግብራውን መድረኻውን ሃገራዊ መደብ ዕዮን እማመታትን ከቕርቡ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ደኣ’ምበር እቲ ስርዓት ኣይኰነን። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ካብ ፕርግራም ይኹን ራእይ ዘይብሉ ሸነኽ ክመጽእ ይኽእል’ዶ!!!? ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርኩም ትሓልፎ ዘላ ንመላእ ዓለም ግሉጽ ዝዀነ ሃለዋት፡ ፕሮግራም ይኹን ራእይ ዘይብሉ ተባሂሉ ዝኽሰስ ሰልፍኹም ድዩስ ወይስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ!!!? እቲ ተቓወምቲ ውድባት ዝሓንጸጽዎ መተካእታ ናይ’ቲ ንህዝቢ ዘባህርርን ኣደዳ ኣጻምእ ምደረበዳታትን ዓሳታት ዝገብር ፖሊሲታትኩምን ተግባራትኩምን ዝዀነ ራእይን ፕሮግራም’ን እኹል’ዶ ኣይኰነን!!? እዚ ዝርአ ዘሎ ህድማን ስደትን መዐቀኒ ናይ ተቐባልነትኩም ኣብ ህዝቢ’ዶ ኣይኰነን!!? ህዝቢ ኣብ ጐድኒ ናይ ተቓወምቲ የለን ምባል ብዝምልከት ግን፡ ናታ ገዲፋስ ናይ ሓማታ ዘብል ኢዩ።

ሃገራውን ዲሞክራስያውን ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ህዝባውን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዜናውን መዳያት ብዙሕ ዓወታት ኣብ ዘመዝገብሉ፤ ናይ ኤርትራ መድረኻውን መጻእን ሕቶታት ዝምልስ ኪዳንን ቻርተርን ወኒኖም ብሓድነት ንእዋናዊ ዕማማት ኣብ ዝገጥምሉ፤ ዲሞክራስያዊ መተካእታ ዝዀነ ስርዓት ንምትካል ቆሪጾም ኣብ ዝተበግስሉ፤ ምስ ኣህዛብን መንግስታት ጐረባብቲ ሃገራትን ኰይኖም ናይ ሰላም ዓንድታት ኣብ ዝድኵነሉ ዘለዉ እዋን፡ ከም’ዚ ዝዓይነቱ መግለጽን ጸለመን ምውጻእ፤ እቲ ስርዓት፡ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ከምዘይወጸን፡ ንሽግራት ሃገርና ክፈትሕ ዝኽእል ፖለቲካዊ ብስለት ከምዘይውንን፡ ጌና ውን ሃገራዊ ግቡኣቱ ክስከም ድልውነት ከምዘይብሉን ኢዩ ዘመልክት።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ ሃገርና ናጽነትን ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዲሞክራስን ክሳዕ ዝነግስ ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ከምኡ ውን፡ እቲ ስርዓትን ንሽግራት ናይ ሃገርና ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ድልውነት እንተደኣሃልይዎ፡ ብትብዓት ኣብ ቅድሜናን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ደው ክብል ንጠልቦ። ንፈተውቲ ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝዀኑ ሓይልታት ከኣ፡ ህዝብና ንዝተሰልበ መሰላቱ ክመልስን፥ ግዝኣተ-ሕጊ ዝነገሳ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ቅዋማዊት ሃገር ክሃንጽን፡ ኵሉ ዝከኣሎም ደገፋት ከበርክትሉ ንጽውዕ። ከምኡ ውን፡ ነቶም ነዚ ቅኑዕ ጐደና’ዚ ሒዞም ዘለዉ ኣህዛብን መንግስታትን ዞናና ከኣ መጐስና ንገልጽ።

ሑሴን ኸሊፋ

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

17.06.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3372

Posted by on Jun 17 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net