ቀዳማይ ጉዕዞ “ኣሳናዳኢት ሽማግለ” “ቀዳማይ ጠቕላል ጉባኤ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን”

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
16.06.200

      ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጠቕላል ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብዕለት 6 ወርሒ ሰነ፡ ሓው ሑሰን ኸሊፋ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል ኪዳንን ካልኦት ኣባላት ፈጻሚት ኣካልን ኣብ ዝተረኽቡሉ ናይ ምስንዳእ ሓላፍነታ ተቐበለት።

      ሓው ሑሰን ከሊፋ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ናይ መኽፈቲ ዘረብኡ፤ “ኣብ ስርዒታዊ ቅርጻ ናይ አርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ‘ጉባኤ’ ዝብል ኣምር ኣተኣታቲና ኣሎና፡ ናይ ምስንድኡ ሸኸም ድማ ነዛ ሽማግለ ነሰክማ ኣሎና” ድሕሪ ምባልን ተወሳኺ መግለጽታት ድሕሪ ምሃብን፡ ንሽማግለ ዝተዳለወ ዕማም ተነበበ፡ ቅድሓቱ’ውን ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣስናዳኢት ሽማግለ ተዓደለ።

      ድሕርዚ፡ ኣሳናዳኢት ሽማግለ፡ ዕለት 7/6/2006 ውሽጣዊ መምርሒ ንምድላው ናይ ንድፊ ሽማግለ መረጸት። ድሕሪኡውን ነቲ ንድፊ ተመልኪታ ናብ ፈ/ኣካል ኤ.ዲ.ኪ ኣሕለፈት። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ነቲ ዝቐረበሉ ናይ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ውሽጣዊ መምርሒ ኣጽደቐ። ድሕር’ዚ፡ ዕለት 14 ሰነ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኸባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ጠቕላል ሃገራዊ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ተኻየደ። ኣብዚ ናይ መፈለምታ ኣኸባ ድማ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዞም ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዝርከብ 5 ኣባላት ዝቖመት ሰክረታርያ መረጸት፤

1.                  ተኽለ መለኪን –       ኣቦ መንበር ሰክረታርያ

2.                  ሓሰን ዓሊ ኣሰድ –    ም/ኣቦ መንበር ሰክረታርያ

3.                  ተስፋሁነይ መስፍን –    ጸሓፊ ሰክረታርያ

4.                  ሓጅ ዓብደልኑር –     ሓላፊ ዜናን ምውህሃድን ሰክረታርያ

5.                  ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ –    ተሓዝ ገንዘብ ሰክረታርያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3370

Posted by on Jun 16 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net